ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
በዓል ዝኽሪ ሰንበት 23 መጋቢት ኢዩ ዝውዕል። ሽማግለታት ነዚ ዝስዕብ ጉዳያት ቈላሕታ ክገብርሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ግዜ ክውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ብድሕሪ ጽሓይ ምዕራባ ከም ዝዘውር ክግበር ኣለዎ።
◼ ንዅሎም: እቲ ተዛራቢ እውን ሓዊስካ: እቲ ልክዕ ግዜን ቦታን ናይቲ በዓል ክንገሮም ይግባእ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ክድለን ክቕረብን ይግባእ።—ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ርአ።
◼ ቢያትን ኩባያን ግቡእ ዝዀነ ጣውላን ናይ ጣውላ ጨርቅን ኣቐዲሙ ኣብቲ ኣደራሽ ክመጽእን ኣብ ቦትኡ ክግበርን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ናይ መአከቢ ቦታ ቅድሚ ግዜ ምእካሉ ኣጸቢቑ ክጸሪ ይግባእ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዘዙሩን ክምረጹ ከምኡውን ኣቐዲሞም ብዛዕባ እቲ ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓን ሓላፍነቶምን መምርሒ ክወሃቦም ይግባእ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ዝዀኑ ዝደኸሙን ክመጹ ዘይክእሉን እቲ ቕጫን ወይንን ንምቕራብ ምድላዋት ክግበር ይግባእ።
◼ ኣብ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ክግበር ተመዲቡ እንተድኣ ኣልዩ: ኣብቲ ኮሪደዮ: ኣፍደገ: ማርሻቤዲ: ከምኡውን ኣብቲ ናይ ማኪና ደው መበሊ: ዘየድሊ ምጽቕቓጥ ምእንቲ ከይህሉ ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ክህሉ ይግባእ።