ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ መበል
11 ክፋል:- ንተመሃሮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ምሕጋዝ
1 ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኪሳተፍ እንተደኣ ጀሚሩ: ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ዜርእዩ ሰባት ኪረክብ ኪጅምር እዩ። ንሓደ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣስላጢ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብርን ንዝረኸቦ ተገዳስነት ምእንቲ ኪዅስኵስን ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧
2 ናይ መጀመርታ ርክብካ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብር መገዲ ዚጸርግ እዩ። ስለዚ: እቲ ተመሃራይ ኣብ መጀመርታ ርክቡ ኣብቶም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኬርኢ ኣተባብዓዮ። (ፊል. 2:4) ነቶም ሰባት ሓሳባቶም ከም ዚገልጹ ኺገብሮም: ጽን ኢሉ ኺሰምዖም: ከምኡውን ዜተሓሳስቦም ነጥብታት ኣብ መዘኻኸሪ ወረቐት ኪጽሕፍ በብቝሩብ ኣለማምዶ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ምስ ዜርኢ: እቲ ተመሃራይ ካብቲ ዝገበርኩምዎ ምይይጥ ኣድላዪ ነጥብታት ከም ዚጽሕፍ ግበር። እዚ ነጥብታት እዚ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብር ከሎ ዚመያየጠሉ ሓሳባት ኬዳሉ ንምሕጋዝ ተጠቐመሉ።
3 ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ምድላው:- ነቲ ኣብ መጀመርታ ምስቲ ብዓል ቤት ዝገበርኩምዎ ምይይጥ ደጊምኩም ርኣይዎ። እቲ ተመሃራይ: ነቲ ብዓል ቤት ኪስሕብ ዚኽእል ገለ መዳይ እቲ ብስራት ብኸመይ ከም ዚመርጽ ኣርእዮ። (1 ቈረ. 9:19-23) ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስን ካብ ሓደ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ጽሑፍ ከኣ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍን ዝሓዘ ኣቀራርባ ሓቢርኩም ኣዳልዉ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ዚቕጽል ግዜ ተመላሊስኩም ንኽትበጽሕዎ ባይታ ኸተንጽፈልኩም እትኽእል ኣብ መደምደምታ ምይይጥኩም እተልዕልዋ ሓንቲ ሕቶ እውን ኣዳልዉ። ነቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ: እቲ ብዓል ቤት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ፍልጠት ክብ ንኼብል ብኸመይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ኣርእዮ።
4 ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ዚገብረሉ እዋን ቀሊል ኣቀራርባ ብኸመይ ከም ዜዳሉ ኽትምህሮ እውን ሓጋዚ እዩ። ምስቲ ብዓል ቤት ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ከምዚ ኺብል ይኽእል እዩ:- “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ጽቡቕ ኣዕሊልና ኔርና: ሕጂ ድማ ተወሳኺ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኬካፍለካ መጺኤ ኣለኹ [እቲ እተመያየጥኩምሉ ኣርእስቲ ጥቐስ።]” ካልእ ሰብ ማዕጾ ምስ ዚኸፍቶ እውን እንታይ ኪብል ከም ዘለዎ ኸተዳልዎ ኣድላዪ እዩ።
5 ተጊህካ ተኸታተሎ:- ነቲ ተመሃራይ ንዅሎም ተገዳስነት ዜርእዩ ሰባት ቀልጢፉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር ኣብነት ኪኸውን ኣተባብዓዮ። ንሰባት ኣብ ቤቶም ምእንቲ ኽትረኽቦም ከይተሓለልካ ተመላሊስካ ኽትበጽሖም የድሊ ይኸውን። ነቲ ተመሃራይ ቈጸራ ብኸመይ ከም ዚገብር ኣርእዮ: ኣብ ቈጸራኻ ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኺግንዘብ ድማ ሓግዞ። (ማቴ. 5:37) እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣብ ምንዳይን ንእተረኽበ ተገዳስነት ኣብ ምዅስኳስን ሕያዋይ: ሓላዪ: ከምኡውን ንኻልኦት ዜኽብር ኪኸውን ኣለማምዶ።—ቲቶ. 3:2