ዓቅቦ
ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
እዛ እታው እዚኣ ቐንዲ ነጥብታት እታ ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ እትብል ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ብተኸታተሊ ዝወጸት ዓንቀጽ ዝሓዘት እያ። ኵልና ነዛ እታው እዚኣ ኣብ ጽቡቕ ከነቐምጣን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከሎና ኽንውከሳን ተተባቢዕና ኣለና። ብተወሳኺ: ገለ ኻብቲ ኣብዚ ዘሎ ነጥብታት ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና: ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ተዓዘብቲ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ጕጅለታት ኪበጽሑ ኸለዉ ነቲ ዜቕርብዎ መደረ ኸም መሰረት ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
1ይ ክፋል:- መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ንሓጺር ግዜ እውን ይኹን ብመጽሓፍ ቅዱስን ብሓደ ኻብቲ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ጽሑፋትን ጌርካ ስርዓታዊ ዄንካ ብሜላ ምይይጥ ትገብር እንተለኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ እትመርሕ ዘለኻ። ነቲ መጽናዕቲ ኽልተ ሳዕ ምስ መራሕካ ኸምኡውን ዚቕጽል እንተ መሲሉካ ጸብጻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትህበሉ ትኽእል ኢኻ።—km 7/04 ገጽ 1
ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጽሑፋት
◼ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
◼ ናብ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
◼ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
◼ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒምካ ድማ ምስቶም ብዙሕ ትምህርቲ ወይ ናይ ምንባብ ክእለት ዘይብሎም ሰባት ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ።
2ይ ክፋል:- ነቲ መጽናዕቲ ንምምራሕ ምድላው
ነቲ ትምህርቲ ልቢ እቲ ተመሃራይ ከም ዚትንክፍ ጌርና ኸነቕርቦ ኣሎና። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ተመሃራይ እናሓሰብካ ብግቡእ ምድላው ይሓትት።—km 8/04 ገጽ 1
ብኸመይ ከም እትዳሎ
◼ ነቲ ኣርእስቲ: ንኡስ ኣርእስትታት ከምኡውን ተወሳኺ መብርሂታት እታ ምዕራፍ ወይ ትምህርቲ ኣተኵረሉ።
◼ ነቲ ኣገዳሲ ቓላትን ሓረጋትን ጥራይ ብምስማር: ንመልሲ እቲ ሕቶታት ምልክት ግበረሉ።
◼ ኣብ እዋን መጽናዕቲ እተንብቦ ጥቕስታት ወስን። ኣብቲ ሕድጋት እታ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፍቲ ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ጥቕስታት ጽሓፍ።
◼ ኣብ መወዳእታ ሓጺር ድግማ እቲ ቐንዲ ነጥብታት ንምግባር ተዳሎ።
ነቲ ትምህርቲ ምስ ኵነታት እቲ ተመሃራይ ኣሰማምዓዮ
◼ ብዛዕባ እቲ ተመሃራይን ዜድልዮ ነገራትን ናብ የሆዋ ጸሊ።
◼ ብዛዕባ እቲ ንምርዳእ ወይ ድማ ንምቕባል የጸግሞ ይኸውን እዩ እትብሎ ነጥብታት ኣቐዲምካ ተዳሎ።
◼ ንርእስኻ: ‘ብመንፈስ ዕቤት ንኺገብር እንታይ ኪርድኦ ኣለዎ ወይ ድማ ኣብ ምንታይ መዳያት ኬመሓይሽ ኣለዎ፧ ንልቡኸ ብኸመይ ክትንክፎ እኽእል፧’ ኢልካ ሕተት።
◼ እቲ ተመሃራይ ሓንቲ ነጥቢ ወይ ጥቕሲ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዋ ምእንቲ ኺርድኦ መግለጺ: መብርሂ ወይ ድማ ተኸታታሊ ሕቶታት ከተዳሉ የድልየካ ይኸውን።
3ይ ክፋል:- ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምጥቃም
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: ዕላማና ሰባት ንትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ተረዲኦም ኪቕበልዎን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ብምሕጋዝ ‘ደቀ መዛሙርቲ ምግባር’ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ተሰ. 2:13) ስለዚ: እቲ መጽናዕቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተኰረ ኪኸውን ኣለዎ።—km 11/04 ገጽ 4
ካብ ቃል ኣምላኽ ምሃር
◼ እቲ ተመሃራይ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብኸመይ ኪረክብ ከም ዚኽእል ኣርእዮ።
◼ ነቲ መሰረት እምነትና ዝዀነ ጥቕስታት ኣንቢብካ ተመያየጠሉ።
◼ ሕቶታት ተጠቐም። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እትገልጸሉ: እቲ ተመሃራይ ባዕሉ ኸም ዚገልጾ ግበር።
◼ ኣመሃህራኻ ቐሊል ግበሮ። ንነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ኣብ ከመይ ዝበለ መዳያት ከም እትውዕል ክትገልጽ ኣይትፈትን። ነታ እትጽናዕ ዘላ ኣርእስቲ ኺገልጽ ዚኽእል ሓሳባት ጥራይ ጥቐስ።
◼ ኣብ ግብሪ ኺውዕለሉ ዚኽእል መገዲ ግለጽ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ነቲ ተመሃራይ ብብሕቱ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ኣረድኣዮ።
4ይ ክፋል:- ንተመሃሮ ኣቐዲሞም ኪዳለዉ ምልምማዶም
ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ዜንብቦን ነቲ መልስታት ዜስምረሉን ብናቱ ኣበሃህላ ብኸመይ ከም ዚገልጾ ዚሓስብን እንተደኣ ዀይኑ: ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ ዚገብር። ስለዚ እምበኣር: ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርኩም: ነቲ ተመሃራይ ብኸመይ ከም ዚዳሎ ንኸተርእይዎ ሓንቲ መጽናዕቲ ብሓባር ኴንኩም ተዳለዉላ። ንሓንቲ ምዕራፍ ወይ ትምህርቲ ብምልእታ ብሓባር ኴንካ ምድላው ንመብዛሕትኦም ተመሃሮ ሓጋዚ እዩ።—km 12/04 ገጽ 1
ምስማርን መዘኻኸሪ ምጽሓፍን
◼ ቀጥታዊ መልሲ እቲ ሕቶታት ካብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ብኸመይ ከም ዚርከብ ግለጽ።
◼ ነቲ ተመሃራይ ነቲ ቐንዲ ቓላትን ሓረጋትን ጥራይ ብኸመይ ከም ዘስመርካሉ ኣብ ናይ ብሕትኻ ቕዳሕ ኣርእዮ።
◼ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶኡ ዘይተገልጸ ጥቕሲ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ዚድግፍ ምዃኑ ኣረድኣዮ። ኣብ ሕድጋት እቲ ዜጽንዖ ዘሎ ጽሑፍ ብኸመይ ሕጽር ዝበለ መዘኻኸሪ ኺጽሕፍ ከም ዚኽእል ኣርእዮ።
ኣቐዲምካ ፍረ ነገር ምጭባጥን ድግማ ምግባርን
◼ እቲ ተመሃራይ ነቲ ቐንዲ ኣርእስቲ: ንኡስ ኣርእስቲ: ኸምኡውን ነቲ ስእልታት ኣሕጽር ኣቢሉ ብምምርማር ምስቲ ቐንዲ ሓሳባት እታ ምዕራፍ ኪላለ ኸም ዚኽእል ግለጸሉ።
◼ ተዳልዩ ቕድሚ ምውዳኡ: ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት እቲ ትምህርቲ ኺደግሞ ኣተባብዓዮ።
5ይ ክፋል:- ክንደይ ዚኣክል ትምህርቲ ከም እትሽፍን ምውሳን
ክንደይ ዚኣክል ትምህርቲ ኸም እትሽፍን ኣብ ክእለትን ኵነታትን እቲ መምህርን ተመሃራይን እዩ ዚምርኰስ።—km 1/05 ገጽ 1
ድልድልቲ እምነት ህነጽ
◼ ብዙሕ ምእንቲ ኽትሽፍን ኢልካ: እቲ ተመሃራይ ንጹር ምርዳእ ከይረኸበ ኣይትሕለፍ።
◼ እቲ ተመሃራይ ነቲ ዚመሃሮ ዘሎ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኪርድኦን ኪቕበሎን ምእንቲ ኽትሕግዞ ዚኣክል ግዜ ኣሕልፍ።
◼ ነቲ መሰረት እቲ ትምህርቲ ዝዀነ ቐንዲ ጥቕስታት ክትመያየጠሉ ዜኽእል እኹል ግዜ መድብ።
እቲ መጽናዕቲ ብዘይ ዕንቅፋት ከም ዚቕጽል ግበር
◼ እቲ ተመሃራይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያቱ ብዙሕ ኪዛረብ ዚደሊ እንተደኣ ዀይኑ: ብዛዕባ እዚ ድሕሪቲ መጽናዕቲ ኽትመያየጠሉ ግዜ መደብ።
◼ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ዘረባ ኣይተንውሕ። እቲ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ንእግረ መገድኻ እትውስኾ ነጥብታትን ተመክሮታትን: እቲ ተመሃራይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ርጡብ ፍልጠት ካብ ምውሳድ ምእንቲ ኸይዓናቕጾ ደረት ግበረሉ።
6ይ ክፋል:- እቲ ተመሃራይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሕቶ ምስ ዚሓትት
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ብግቡእ ምስ ጀመርኩም: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ ኣርእስቲ ናብ ካልእ ኣርእስቲ እናዘለልኩም ኣብ ክንዲ እትወስድዎ: ብስሩዕ ኣገባብ ክትወስድዎ ዝበለጸ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ነቲ ተመሃራይ ርጡብ ፍልጠት ኬጥርን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብርን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።—km 2/05 ገጽ 6
መስተውዓሊ ኹን
◼ እቲ ሕቶታት ምስቲ እተጽንዕዎ ዘለኹም ኣርእስቲ ዚዛመድ እንተደኣ ዀይኑ ብኡንብኡ ኽትምልሶ ትኽእል ኢኻ።
◼ እቲ ሕቶታት ምስታ እተጽንዕዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ዘይዛመድ ምስ ዚኸውን: ወይ ብግቡእ ንምምላሱ ምርምር ምግባር ዜድልዮ እንተደኣ ዀይኑ ግን ነቲ ሕቶ ደድሕሪ እቲ መጽናዕቲ ወይ ድማ ካልእ ግዜ ኽተመያየጠሉ ዝበለጸ እዩ። ነቲ ሕቶታት ኣብ መዘኻኸሪ ወረቐት ምጽሓፉ ሓጋዚ እዩ።
◼ እቲ ተመሃራይ ንሓደ ትምህርቲ ምቕባሉ ምስ ዜሸግሮ: ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ኣስፊሑ ዚገልጽ ካልእ ጽሑፍ ምውካስ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
◼ እቲ ተመሃራይ ገና በዚ እውን እንተ ዘይዓገበ: ነቲ ሕቶ ንኻልእ ግዜ ኣወንዚፍካ ስሩዕ መጽናዕትኻ ቐጽል።
ትሑት ኩን
◼ መልሲ ናይ ሓደ ሕቶ ርግጸኛ ምስ ዘይትኸውን: ብግምት ክትምልስ ካብ ምፍታን ተቘጠብ።
◼ ቀስ ብቐስ ብኸመይ ምርምር ኪገብር ከም ዚኽእል ኣርእዮ።
7ይ ክፋል:- ኣብ እዋን መጽናዕቲ ምጽላይ
እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ በረኸት የሆዋ ኺረኽቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ክንጅምርን ክንዓጹን ይግባእ።—km 3/05 ገጽ 4
ኣብ እዋን መጽናዕቲ ጸሎት ክንጅምረሉ እንኽእል መገድታት
◼ ምስ ሓደ ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎ ሰብ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና: ካብቲ ፈለማ መጽናዕቲ ዝጀመርናሉ እዋን ኣትሒዝና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።
◼ ምስ ካልኦት መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን ግን ጸሎት መዓስ ከም እንጅምር ብምስትውዓል ክንሓስበሉ ኣሎና።
◼ ጸሎት ምግባር ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ንምርዳእ መዝሙር 25:4, 5 ከምኡውን 1 ዮሃንስ 5:14 ምጥቃስ ይከኣል እዩ።
◼ ብስም የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ናብ የሆዋ ጸሎት እነቐርበሉ ምኽንያት ንምግላጽ ዮሃንስ 15:16 ምጥቃም ይከኣል እዩ።
ኣብ ጸሎት ክንጠቕሶ እንኽእል ነገራት
◼ ንየሆዋ ምንጪ እቲ ትምህርትና ብምዃኑ ኽንውድሶ ግቡእ እዩ።
◼ ኣብቲ ተመሃራይ ዘሎካ ልባዊ ተገዳስነት ጥቐስ።
◼ ነታ የሆዋ ዚጥቀመላ ማሕበር ዘሎካ ሞሳ ግለጽ።
◼ እቲ ተመሃራይ ነቲ እተማህሮ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኼውዕሎ ብዛዕባ ዚገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ኺባርኾ ጸሊ
8ይ ክፋል:- ነቶም ተመሃሮ ናብ ማሕበር ከም ዜተኵሩ ምግባር
ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰረተ-እምነትና ጥራይ ክንምህሮም ዘይኰነስ ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ ኽንሕግዞም እውን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ ገለ ነጥብታት ግለጸሎም።—km 4/05 ገጽ 8
ናይ ጉባኤ ኣኼባታት
◼ ነቶም ተመሃሮ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ግለጸሎም። ካብታ ፈለማ መጽናዕቲ ዝጀመሩላ ግዜ ኣትሒዝካ ናብ ጉባኤ ኺመጹ ዓድሞም።
◼ ገለ ኻብቲ ኣብ ጉባኤ ዝቐረበ ጕሉሕ ነጥብታት ምስኦም ተመያየጠሉ።
◼ በዓል ዝኽሪ: ዓበይቲ ኣኼባታት: ከምኡውን ናይ ገያሺ ተዓዛቢ ምብጻሕ እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ ነዚ ምድላው እዚ ህንጥዮት ከም ዜሕድሩ ግበር።
◼ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ስእልታት ተጠቒምካ: ኣብ ጉባኤ ዚግበር ንጥፈታት ኣብ ኣእምሮኦም ኪስእልዎ ሓግዞም።
◼ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ኬንብብዋ ኣተባብዓዮም።
ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሞሳኦም ንኼዕብዩ ቪድዮታት ተጠቐም
◼ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም
◼ ኣዋር ሆል ኣሶስየሽን ኦፍ ብራዘርስ
◼ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺንግ
◼ ቱ ዘ ኤንድስ ኦፍ ዘ አርዝ
9ይ ክፋል:- ተመሃሮ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንኺህቡ ምልምማድ
ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ እተማህርዎ ነገራት እምነት ምስ ዜሕድሩ: ብዛዕባኡ ኺዛረቡ ይድረኹ እዮም።
ምስክርነት ኪህቡ ኣተባብዓዮም
◼ ኣብቲ መጽናዕቲ ምስኣቶም ኪመጹ ኺዕድምዎም ዚኽእሉ ገለ ኣባላት ስድራቤቶም ወይ ኣዕሩኽቶም ኣለዉዶ፧
◼ ገለ ኻብ መሳርሕቶም: መማህርቶም ወይ ካልኦት ዚፈልጥዎም ሰባት ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ዘርኣዩ ኣለዉዶ፧
ብዛዕባ እምነቶም ንኻልኦት ኪነግሩ ኣለማምዶም
◼ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ሓደ ነጥቢ ብምምራጽ: ንተመሃራይካ ኸምዚ ኢልካ ሕተቶ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ነዚ ሓቂ እዚ ንስድራቤትካ ብኸመይ ምገለጽካሎም፧”
◼ እቲ ተመሃራይ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ምስ ካልኦት ኪዘራረብ ከሎ ኣኽብሮት ከምኡውን ሕያውነት ኣድለይቲ ባህርያት ምዃነን ኣረድኣዮ።
◼ ተመሃሮ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧ እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነታትናን ንጥፈታትናን ንምግላጽ ኪጥቀሙላ ይኽእሉ እዮም።
10ይ ክፋል:- ንተመሃሮ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ምልምማድ
ሽማግለታት: ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኼገልግል ብቑዕ እዩ ኢሎም ምስ ወሰኑ: ምስታ ጉባኤ ሓቢሩ ኣብ ዕዮ ስብከት ኪሳተፍ ይኽእል እዩ።—km 6/05 ገጽ 1
ሓቢርካ ምድላው
◼ ነቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ኣበይ ኪረክብ ከም ዚኽእል ኣርእዮ።
◼ ቀሊልን ኣብቲ ኸባቢ ድማ ኣስላጥን ኣቀራርባ ኺመርጽ ሓግዞ።
◼ ኣብ ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀም ኣተባብዓዮ።
◼ ብሓባር ተለማመዱ። ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ ዝዀነ ምላሽ ብኸመይ ብሜላ ኸም ዚምልሰሉ ድማ ኣርእዮ።
ሓቢርካ ምስባኽ
◼ እቲ ተመሃራይ ነተን ብሓባር ኴንኩም እተዳለኹምለን ኣቀራርባ ቕድም ንስኻ ብኸመይ ከም እትጥቀመለን ኣርእዮ።
◼ ባህርያትን ክእለትን እቲ ተመሃራይ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ገለ ኽፋል እቲ ኣቀራርባ ጥራይ ከም ዚካፈል ምግባር ዝሓሸ እዩ።
◼ ነቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ስሩዕ ናይ ኣገልግሎት መደብ ኬውጽእ ሓግዞ።
መበል 11 ኽፋል:- ንተመሃሮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ምሕጋዝ
ናይ መጀመርታ ርክብካ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብር መገዲ ዚጸርግ እዩ። እቲ ተመሃራይ ኣብ መጀመርታ ርክቡ ኣብቶም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኬርኢ ኣተባብዓዮ። ነቶም ሰባት ሓሳባቶም ከም ዚገልጹ ኺገብሮም: ጽን ኢሉ ኺሰምዖም: ከምኡውን ዜተሓሳስቦም ነጥብታት ኣብ መዛኻኸሪ ወረቐት ኪጽሕፍ በብቕሩብ ኣለማምዶ።—km 7/05 ገጽ 1
ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ምድላው
◼ ነቲ ኣብ መጀመርታ ምስቲ ብዓል ቤት ዝገበርኩምዎ ምይይጥ ደጊምኩም ርኣይዎ። እቲ ተመሃራይ: ነቲ ብዓል ቤት ኪስሕብ ዚኽእል ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚመርጽ ኣርእዮ።
◼ ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስን ካብ ሓደ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ጽሑፍ ከኣ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍን ዝሓዘ ኣቀራርባ ሓቢርኩም ኣዳልዉ።
◼ ኣብ መደምደምታ ምይይጥኩም እተልዕልዋ ሓንቲ ሕቶ ኣዳልዉ።
ነቲ እተረኽበ ተገዳስነት ተጊህካ ተኸታተሎ
◼ ነቲ ተመሃራይ ንዅሎም ተገዳስነት ዜርእዩ ሰባት ቀልጢፉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብረሎም ኣተባብዓዮ።
◼ ነቶም ኣብ ቤቶም ክትረኽቦም ኣጸጋሚ ዝዀኑ ሰባት ከይተሓለልካ ተመላሊስካ ኽትበጽሖም ኣድላዪ ምዃኑ ኣርእዮ።
◼ ነቲ ተመሃራይ ቈጸራ ብኸመይ ከም ዚገብር ኣርእዮ: ኣብ ቈጸራኻ ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኺግንዘብ ድማ ሓግዞ።
መበል 12 ክፋል:- ተመሃሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኺጅምሩን ኪመርሑን ምሕጋዝ
ኣብ ኣገልግሎትካ ጽቡቕ ኣብነት ብምስራዕ: ንየሱስ ክትቀድሖ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ተመሃራይካ ኣብ ኣገልግሎት ንእተርእዮ ሰናይ ኣብነት ብምዕዛብ: ዕላማ ተመላሊስካ ምብጻሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ምዃኑ ኺርድኦ እዩ።—km 8/05 ገጽ 1
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
◼ ነቲ ተመሃራይ ብዛዕባቲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ብዝርዝር ምግላጽ ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ግለጸሉ።
◼ መብዛሕትኡ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ንምርኣይ: ካብታ ናይ መጽናዕቲ ጽሕፍቲ ሓደ ወይ ክልተ ቝጽርታት ጥራይ ምጥቃም ዝበለጸ እዩ።
◼ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪምራሕ ከም ዚኽእል ዜርኢ ሓሳባት ደጊምካ ብምርኣይ ተለማመደሉ።—km 8/05 ገጽ 8፣ km 1/02 ገጽ 6
ተመሃሮ መማህራን ኪዀኑ ምልምማድ
◼ ተመሃሮ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኺምዝገቡ ኣተባብዓዮም።
◼ እቲ ሓድሽ ኣስፋሒ ሓሳባት ምእንቲ ኺህብ ኣብ ካልእ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚካፈል ግበር።