ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/96 ገጽ 4
  • ንኽርድኡ ደግፍዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኽርድኡ ደግፍዎም
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ብስራት ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ምስባኹ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ራእይ ዮሃንስ—መፍትሕ ናይ ሓቂ ሓጐስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ብዙሕ ሕቶታት ኢዩ ዝምልስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ተኸታተሎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 2/96 ገጽ 4

ንኽርድኡ ደግፍዎም

 1 ሃዋርያ ጴጥሮስ ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ነገራት “ንምስትውዓሉ ዚሽግር” ምዃኑ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ። (2 ጴጥ. 3:⁠16) ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ከም እኒ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ዘለዉ ትንቢታት ኣይርድእዎን ኢዮም: መልሲ ናይቲ ጽንኩር ሕቶታውን ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ኵልና ንመጽሓፍ ቅዱስን ሕታማትናን ጽቡቕ ጌርና ብምጥቃም ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክንሕግዘሉ እንኽእል ዘድሊ መሳርሒታት ኣሎና።

 2 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጽንዓት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-

◼ “እንደገና ስለ ዝረኸብኩኻ ተሓጕሰ: ምኽንያቱ ድማ ሎሚ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታትካ ከመይ ገይርካ መልሲ ክትረክብ ከም እትኽእል ከርእየካ ደልየ ኣሎኹ። ብዙሓት ሰባት ብሓገዝ ናይዚ መጽሓፍ እዚ ድሮ መልሲ ረኺቦም ኢዮም።” ድሕርዚ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ወይ ከኣ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ኣርእስትታት ገንጽል እሞ “ካብዚ ኣየናይ ኣርእስቲ ብዝያዳ ተንኪፉካ፧” ኢልካ ሕተቶ። መልሲ ተጸበ: ድሕሪኡ ናብቲ ዝመረጾ ምዕራፍ ብምግንጻል ነታ ቀዳመይቲ ቍጽሪ ኣንብባ። ኣብ ትሕቲ እቲ ገጽ ዘሎ ሕቶታት ከመይ ገይሩ ኣብቲ ቀንዲ ነጥብታት ንምትኳር ከም ዝድግፍ ግለጽ እሞ ሓደ ወይ ክልተ ቍጽርታት ወሲኽካ ብምምይያጥ ድማ ነዚ ብኣብነት ገይርካ ኣርኢ። ድሕርዚ እንደገና ንኽትበጽሖ መደብ ግበር።

 3 መንግስቲ ኣምላኽ ንጭንቂ ከመይ ገይራ መወዳእታ ከም እትገብረሉ ንምምልካት ስእላዊ መግለጺ ተጠቒምካ እንተድኣ ነይርካ: ናብቲ ስእላዊ መግለጺ ተመሊስካ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ኣብዚ ስእሊ እዚ ተገሊጹ ከም ዘሎ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ምይይጥ ክትዝክሮ ተስፋ ንገብር። ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ እቲኣ ክንነብር ንደሊ እንተድኣ ኰይንና እንታይ ክንገብር የድልየና ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ገለ ካብቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት: እንተድኣ ቀዲሕናዮ ጥቕሚ ከምጽኣልና ዝኽእል ብሉጽ ኣብነት ሰሪዖምልና ኢዮም፧” ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠11 ብምንባብ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ምምርማር’ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሕ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ቅኑዓት ሰባት ቃል ኣምላኽ ንኸጽንዑን ብዝበለጸ ንኽርድእዎን ይሕግዝዎም ከም ዘለዉ ግለጽ።

 4 ኣብቲ ናይ መጀመርታ ምብጻሕካ ንራእይ 1:⁠3 ተመያይጥኩምላ እንተድኣ ነይርኩም: እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ተወሳኺ ተገዳስነት ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ:-

◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንመጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ምርዳእ ከመይ ገይሩ ሓጐስ ከም ዘምጽኣልካ ተመያይጥና ነይርና። ይኹን እምበር: እዚ ሓጐስ እዚ ብቕጽበት ዝመጽእ ኣይኰነን። እንተወሓደ ካባና ዝድለዩ ክልተ ነገራት ኣለዉ:- ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነጽዖን ነቲ እተማሃርናዮ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ይግብኣና።” ያእቆብ 1:⁠25 ኣንቢብካ ሓሳብ ሃብ። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ቁጽሪ 9 ዘሎ ገንጺልካ: ንመጽሓፍ ራይእ ዮሃንስ ምርዳእ ኣብ ሓንቲ ገነታዊት ሓዳስ ዓለም ከመይ ገይርና ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ንኽንፈልጥ ብኸመይ ከም ዝድግፈና ኣመልክት።

 5 በታ “ብምንባር ተሓጐሱ” እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት ንምጅማር: እዚ ዝስዕብ ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዛዕባ እዚ ኣብ ናብራ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግድላት ኣገዳሲ ምይይጥ ገይርና ነይርና: ሕጂ ኸኣ እንደገና ምርኻብና ዘሐጕስ ኢዩ። ሎሚ ምስቲ እተመያየጥናሉ እተተሓሓዘ ስእሊ ከርእየካ ደልየ ኣሎኹ።” መጀመርታ ስእሊ 19: ድሕሪኡ ድማ ስእሊ 20 ከምኡውን 21 ገንጽል። ኣብቲ እቲ በዓልቤት ድሮ ዝፈልጦ መሰረት ብምግባር ድማ: ኣምላኽ ስለምንታይ ነቶም እኩያት ሰባት ከም ዘጥፍኦም ኣርኢ። ድሕርዚ ስእልታት 22⁠-​24 ከምኡውን 28 ተጠቒምካ ናብ ኵነታት ናይዛ ኣብ እዋንና ዘላ ዓለም ገጽካ ኺድ። እቲ በዓል ቤት ግዜ እንተዘይብሉ ነቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ብሓባር ኰይንኩም ንኸተንብብዎም ቈጸራ ግበር። ድሕሪ እቲ ካልኣይ ቈጸራ ናብቲ መጀመርታ ናይቲ ብሮሹር ንምምላስ ሓሳብ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

 6 ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት እንተድኣ ረኺብካ: ኣብ መወዳእታ ናብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ከኣ ናብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር: ወይ ድማ ናብ ከም እኒ ብምንባር ተሓጐሱ ወይ ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ ዝኣመሰላ ብሮሹራት ከም ዘተኵሩ ክትገብር ክትደሊ ኢኻ: በዚ ሕታማት እዚ ገይርካ ድማ ጽንዓት ጀምር። “ንገርህታት ኣእምሮ [“ምርዳእ:” ትሓዓ]” ክህልዎም ብምሕጋዝካ ብርግጽ ብዙሕ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።​—⁠መዝ. 119:⁠130

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ