ራእይ ዮሃንስ—መፍትሕ ናይ ሓቂ ሓጐስ
1 እተን ኣብ ራእይ 1:3 ዘለዋ ቃላት ሃዋርያ ዮሃንስ: ሓጐስ ከመይ ገይርካ ከም ዝርከብ ስለ ዝነግራና ንዓና ብስራት ኢየን። ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ: እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።” ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ ኢዩ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ንብዙሓት ሰባት ብዙሕ ሓጐስ ንኽረኽቡ ሓጊዛቶም ኢያ። ንኻልኦት ከነካፍሎም ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።
2 በዚ ሕቶ እዚ ዝጅምር ዝርርብ ክትከፍት ትኽእል ኢኻ:-
◼ “እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ዮሃንስ ንኽትርድኣ ተባሂላ ኢያ ተዳልያዶ ምበልካያ ወይስ ኵሉ ግዜ ምስጢር ኰይና ክትተርፍ ኢያ፧ [መልሲ ተጸበ] ብዙሓት ከምዚ ናትካ ርእይቶ ኢዩ ዘለዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 1:3 እንታይ ከም ዝብል ኣስተብህል። [ኣንብብ።] ስለዚ ራእይ ክትርድኣ እትኽእል ኢያ: እቲ ሒዛቶ ዘላ ፍልጠት ከኣ ሓጐስ ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ። እዚ ከመይ ገይርካ ኢዩ ዝከኣል፧ ነቲ ኣብ ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዘሎ ሓሳባት ድገሞ እሞ ድሕሪኡ ከምዚ በሎ:- “እዛ ሕታም እዚኣ ንመጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ጥቕሲ ብጥቕሲ ገይራ ኢያ እትገልጾ። ግዜ መዲብካ ምንባብ ዘድልያ መጽሓፍ ኢያ። እዛ ቅዳሕ እዚኣ ክገድፈልካ ደስ ይብለኒ።”
3 መብዛሕትኦም ብዛዕባ ንስጋዊ ነገራት ዘድልዮም ምስንዳእ ስለዝሓስቡ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ገለ ተገዳስነት ከለዓዕል ይኽእል ይኸውን:-
◼ “እቲ ኣውራ ዘድልየና ነገር እንታይ ኢዩ ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሕ ስጋዊ ነገራት የድልየና ኢዩ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ብዙሓት ኢዮም።” ገጽ 73 ገንጽል እሞ ኣብቲ “ፍቕረ ንዋይን ጥበብን” ዘርእስቱ ሳጹን ቀሪቡ ዘሎ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ድገሞ። ቀጺልካ ድማ ከምዚ በል:- “እዚ ንስጋዊ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ኣተኵሮ ከም እተገብረሉ ኢዩ ዘርኢ፣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድልየትና ዝያዳ ክንግደስ ይግብኣና። ዘድልየና ናይ ሓቂ ፍልጠት ኢዩ። ግናኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንፈልጥ ዘድልየና፧” ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ እሞ: ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ከመይ ገይሩ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ከም ዝኽእል ግለጽ። ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ እሞ ኽትምለሶ ምዃንካ ንገሮ። ብዛዕባ እቲ ንድልየት ኵሎም ደቅሰብ ንምዕጋብ እተዳለወ ዕላማ ኣምላኽ ከመይ ገይራ ድንቂ ዝዀነ ሓበሬታ ከም እትገልጽ ድማ ኣርኢ።
4 ብዙሓት ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘሎ ጭንቂ ስለ ዝሓስቡ: ነዚ ዝስዕብ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነፍሲ ወከፍ ዘዘራረብክዎ ሰብ ብዛዕባ መጻኢ ኢዩ ዝግደስ። ገለ መራሕቲ ዓለም: ኣብ ገምገም ናይ ሓድሽ መዋእል ሰላም ከም ዘሎና ኢዩ ዝስምዖም። ብዛዕብኡ ከመይ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ወድሰብ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተገበረ: ዓመጽን ጭንቅን ኣብ ብዘላ ዓለም እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እንኮ መፍትሒ ናይዚ ግድላት እዚ ይገልጽ ኢዩ። [2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 302 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ገንጽል እሞ: ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ምድሪ እዚ ከመይ ገይራ ዘለኣለማዊ ሰላምን ደሓንን ከም እተምጽእ ግለጽ።] እዚ ሕታም እዚ ከመይ ገይርካ ክፍሊ ናይዚ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ዘለኣለማዊ ህይወት ዘስተማቕሩ ሰባት ዝሓዘ ሓድሽ ማሕበረሰብ ክትከውን ከም እትኽእል ንኽትርዳእ ክሕግዘካ ኢዩ።”
5 ሓደ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ሰብ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እሞ: ኣሕጽር ከተብለሉ እንተድኣ ደሊኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ግዜ ስለ ዘይብልካ: ነዛ ኣርእስታ [ዝሰማማዕ ትራክት ወይ ከኣ ዓንቀጽ ምረጽ] ዝዀነ ትራክት [ወይ ከኣ መጽሔት] ክገድፈልካ ምደለኹ። ንኸተንብባ አተባብዓካ። ካልእ መዓልቲ በዚ ክሓልፍ ከሎኹ ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዝሓሰብካ ክፈልጥ ደስ ይበልኒ።”
6 ነዚ መጽሓፍ እዚ ንሰባት እንዕድሎም ነቲ ድንቂ ዝዀነ ትንቢታት ራእይ ዮሃንስ ብምስትውዓሎም ሓጐስ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ተስፋ ኢዩ።—ምሳ. 3:13