ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/98 ገጽ 1
  • የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይህብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይህብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንየሆዋን ሓይሉን ድለዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሆዋ ንድኹም ሓይሊ ይህብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣምላኽ ዚድግፎ ዕዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 1/98 ገጽ 1

የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይህብ

1 እቲ ኽቡር መሰል ዝዀነ ቅዱስ ኣገልግሎት ማለት ክርስትያናዊ ኣገልግሎት: ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሕድሪ ተዋሂቡዎም ኢዩ። (ማቴ. 24:⁠14፣ 28:​19, 20) ሓድሓደ ግዜ ግን ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ናይዚ ኣገባብ እዚ ጸቕጥታትን ንገዛእ ርእስና ፈጺምና ከም ዘይንበቅዕ ገይርና ንኽንምልከታ ክገብረና ይኽእል ኢዩ።

2 ከምዚ ምስ ዘጋጥመና: ካብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝጸሓፋ መልእኽቱ ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። “እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 4:⁠7) ጳውሎስ: “እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና: ኣይንሕለልን ኢና” ብምባል እምንቶ ኣሕዲሩ ነበረ። (2 ቈረ. 4:⁠1) ሓቂ ኢዩ: እዚ ንነፍሲ ወከፍ ካባና ማለት ቅቡኣት ንኹን ወይ ድማ ካብተን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ብዘየገድስ: ነቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ ንኽንቅጽልን ‘ንኸይንሕለልን’ ብድሆ ኢዩ ዝዀነና። ካብቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ዝህብ ኣምላኽ ሓይሊ የድልየና ኢዩ።​—⁠ዮሃ. 10:⁠16፣ 2 ቈረ. 4:⁠7ሀ

3 ብዙሓት መሰኻኽር ምስ መሪር ተቓውሞ: ምስ ከቢድ ናይ ጥዕና ግድላት: ወይውን ምስ ውሱን ዓቕሚ ገንዘብ እናተቓለሱ ክነሶም ቀናኣት ወንጌላውያን ምዃኖም ዘተባብዕ ኢዩ። እቲ ናይ ስብከት መዝነትና ደገፍ የሆዋ ከም ዘለዎ ኵላትና ክንግንዘብ ኣለና። ተስፋ ምቝራጽ ወይውን ሻቕሎት ነቲ ናይ ምስባኽ ውሳነና ከዳኽሞ ኣብ ክንዲ እንፈቅድ: ‘ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን ደኣ ንበርትዕ’።​—⁠ኤፌ. 6:⁠10፣ ምሳ. 24:⁠10

4 ሓይሊ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝጥረ:- ናይ ኣምላኽ ሓገዝን ሓይልን ብምሕታት: ጸሎት ኣዘውትር። (ሮሜ. 12:⁠12፣ ፊል. 4:⁠6, 7) ድሕርዚ: ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ክህበካ ብምሉእ ልብኻ ኣብ የሆዋ ተወከል። (ምሳ. 3:⁠5) እቲ ኣብ መጽሔታትና ዝወጽእ ብዙሕ ዘመናዊ ታሪኽ ህይወት: የሆዋ ሎሚ ንኣገልገልቱ ፈተናታት ንኽጽመሙ ይሕግዞም ከም ዘሎ መርትዖ ስለ ዝህብ ኣንብቦ። ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ተቐራረብ: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድማ ኣይትሕደግ።​—⁠ሮሜ 1:​11,​12፣ እብ. 10:⁠24, 25

5 ነቲ ማእለያ ዘይብሉን ኣብቲ ኣዝዩ ተደላዪ ዝዀነ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይንሕለል ዝሕግዘናን ሓይሊ የሆዋ ክንረክብ ምእንቲ ክንክእል ዝከኣለና ዘበለ ዅሉ እንገብር ይግበረና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ