ኣምላኽ ዚድግፎ ዕዮ
1 ካብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሒደት ጥራይ እዮም ልዑል ትምህርቲ: ሃብቲ: ወይ ተፈላጥነት ዘለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ገለ ሰባት ነገልግሎትና ኣብ ግምት ከም ዘይኣቱ ገይሮም ይርእይዎ። (ኢሳ. 53:3) ይኹን እምበር: እቲ እነቕርቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ምድሪ ንዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ምጽንናዕን ተስፋን ኣምጺኡሎም እዩ። ተራ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ፍረ ኺረኽቡ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብደገፍ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ነዚ ኺረኽቡ ዝኸኣሉ። (ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 1:8) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ: “ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከአ: ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ” በለ።—1 ቈረ. 1:26-29
2 መብዛሕትኦም ሃዋርያትን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ካልኦት ክርስትያናትን “ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት” እዮም ነይሮም። (ግብ. 4:13) ኰይኑ ግን: ነቲ ብስራት ንኺሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ብትብዓት ፈጺሞምዎ እዮም። የሆዋ ድማ ንጻዕርታቶም ባረኾ። ዕንቅፋታትን ምጽራርን የጋጥሞም እኳ እንተ ነበረ: ‘ቃል የሆዋ ብሓይሊ ዓበየን በርትዐን።’ ኣምላኽ ነቲ ዕዮ ይድግፎ ብምንባሩ: ነቲ ግብሮም ደው ኬብሎ ዝኸኣለ ኣይነበረን። (ግብ. 5:38, 39፣ 19:20) ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ሓያላት ገዛእቲ ዜምጽእዎ ኸቢድ ምጽራር እውን ከይተረፈ: ነቲ ብስራት ካብ ምዕባይን ምብርታዕን ኣይዓገቶን።—ኢሳ. 54:17
3 እዚ ዅሉ ሳላ ኣምላኽ እዩ:- ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንና ሓለፋ እኳ እንተሎና: ንኽንጅሃር ምኽንያት ኣሎና ድዩ፧ ኣይፋልን። ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን: እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረ. 4:7) ኣገልግሎቱ በቲ ኣምላኽ ዚህቦ ሓይሊ ጥራይ ኪፍጽሞ ኸም ዝኸኣለ ተገንዚቡ ነበረ።—ኤፌ. 6:19, 20፣ ፊል. 4:13
4 ንሕናውን ብተመሳሳሊ እቲ ዕዮ ስብከት ዚፍጸም ዘሎ “ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት” ብምቕባልና ጥራይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ግብ. 26:22) የሆዋ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓለምለኻዊ ስብከት ኣቢሉ ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚመጽእ ፍርዲ ምልክት ዚኸውን ነህዛብ ዜንቀጥቅጥ ነገር ንምስዳድ ብዜደንቕ መገዲ ይጥቀመልና ኣሎ። (ሃጌ 2:7) ኣብዚ ብዙሕ ዚሕፈሰሉ መንፈሳዊ ቐውዒ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ክንከውንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!—1 ቈረ. 3:6-9