ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/11 ገጽ 1
  • ንዕዮ ስብከት ኣኽቢርካ ርኣዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዕዮ ስብከት ኣኽቢርካ ርኣዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስብከት—ክቡር መሰል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ መሰል እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • እቲ ብሕድሪ እተዋህበና መዝገብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 9/11 ገጽ 1

ንዕዮ ስብከት ኣኽቢርካ ርኣዮ

1. ብዙሓት ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚነብሩ ሰባት ንዕዮ ስብከትና ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧

1 ኣብዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰባት፡ ንዕዮ ስብከትና ኸም “ዕሽነት” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (1 ቈረ. 1:18-21) እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ እዚ ጠዋይ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ተስፋ ኸም እንቘርጽን ቅንኣትና ኸም ዚጠፍእን ኪገብር ይኽእል እዩ። (ምሳ. 24:10፣ ኢሳ. 5:20) ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃንና ዝረኸብናዮ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዚገብረና እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧​—ኢሳ. 43:10።

2. ኣገልግሎትና ‘ቕዱስ’ ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

2 ቅዱስ ዕዮ፦ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎትና ምስ ዕዮ ሓደ ኻህን ብምምስሳል፡ ቅዱስ ከም ዝዀነ ሓቢሩ ነበረ። (ሮሜ 15:15, 16) ዕዮ ስብከት ‘ቅዱስ’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብኡ ኽንካፈል ከለና፡ “መዓይይቲ” እቲ “ቕዱስ” ዝዀነ የሆዋ ኢና እንኸውን፣ ንስሙ ኣብ ምቕዳስ ድማ እጃምና ነበርክት ኢና። (1 ቈረ. 3:9፣ 1 ጴጥ. 1:15) የሆዋ ንዕዮ ስብከትና ኸም “መስዋእቲ ምስጋና” ገይሩ ስለ ዚርእዮ፡ ኣገልግሎትና ኣገዳሲ ኽፋል ኣምልኾና እዩ።​—እብ. 13:15።

3. ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ፍሉይ መሰል ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሒደት ሰባት ጥራይ ዚረኽብዎ ፍሉይ መሰል እዩ። ሓቂ እዩ፡ መላእኽቲ ነዚ ዕዮ እዚ ብታሕጓስን ብውጽኢታዊ መገድን ምፈጸምዎ ነይሮም። (1 ጴጥ. 1:12) ይኹን እምበር፡ የሆዋ፡ እቲ ዕዮ በቶም “ኣቕሓ መሬት” ዝዀኑ ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ኪፍጸም እዩ መሪጹ።​—2 ቈረ. 4:7።

4. ንኣገልግሎትና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

4 ቀዳምነት ኪወሃቦ ኣለዎ፦ ንዕዮ ስብከት ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ፡ ኣብ ህይወትና ብዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ንጥፈት ጌርና ኢና እንርእዮ። (ፊል. 1:10) ስለዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ምእንቲ ኽንካፈል፡ ግዜ ንምድብ ኢና። ሓደ ኣብ መላእ ዓለም ህቡብ ምስ ዝዀነ ኦርኬስትራ ዚሰርሕን ንዕዮኡ ኣኽቢሩ ዚርእዮን ሙዚቀኛ፡ ብተደጋጋሚ ይለማመድን ክእለቱ ኼመሓይሽ ይጽዕርን እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻድና ኽንዳሎ ኣሎና፣ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ነማቕል፡’ ክእለት ኣመሃህራና ኸኣ ነመሓይሽ።​—2 ጢሞ. 2:15፣ 4:2።

5. ንኣገልግሎትና ዜማስወሉ መን እዩ፧

5 ኣረኣእያ ብዙሓት ሰባት፡ ተስፋ ኬቝርጸካ ኣይተፍቅድ። ኣብ ክልና፡ ንዕዮ ስብከትና ዜማስዉሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ኣይትረስዕ። ኰይኑ ግና፡ ብሰባት ክንፍቶ ኢልና ኣይኰንናን ከምኡ እንገብር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኢልና ኢና ኣብ ዕዮ ስብከት እንካፈል፣ ንሱ ኸኣ ነቲ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕርና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።​—ኢሳ. 52:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ