ስብከት—ክቡር መሰል
1 ኣገልግሎት ናይቲ ብስራት: የሆዋ ዘርጊሑልና ዘሎ ክቡር መሰል ኢዩ። (ሮሜ 15:16፣ 1 ጢሞ. 1:12) ከምኡ ገይርካ ዲኻ እትርእዮ? ምሕላፍ ግዜን ናይ ካልኦት ልግጫን ነቲ ኣብ ኣተሓሳስባና ዘለዎ ኣገዳስነት ክቕንሶ ክንፈቕደሉ የብልናን። ስም ኣምላኽ ምጻር ንዉሑዳት እተዋህበ መዓርግ ኢዩ። ነዚ መሰል እዚ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ክንገብሮ ምኸኣልና?
2 ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ምስባኽ ስምረት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣየውህበናን ኢዩ። ብዙሓት ንስራሕና ብጽልኢ ወይ ብዘይ ተገዳስነት ኢዮም ዝርእይዎ። ካልኦት የላግጹን ይቃወሙን። ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ካብ መሳርሕቲ: ጐረባብቲ ወይ ድማ ካብ ኣባላት ስድራቤት ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም እተጋገናን ዓያሱን ኴንና ክንርአ ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 15:19፣ 1 ቈረ. 1:18, 21፣ 2 ጢሞ. 3:12) እቲ ተስፋ ዘቑርጽ ሓሳባቶም ቅንእና ክቕህምን ክንዝሕልን ወይ ድማ ነቲ ክቡር መሰልና ክንገድፍን ዝዓለመ ኢዩ። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ካብ ‘እቲ ብርሃን ወንጌል . . . ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ . . . ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ዘዖሮ’ ሰይጣን ኢዩ ዝመጽእ። (2 ቈረ. 4:4) ነዚ ብኸመይ ትምልሸሉ?
3 እቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እንገብሮ ስብከት ካብቲ ሎሚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ስራሕ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ኣድላዪ ኢዩ። ብኻልእ ክርከብ ዘይክእል ህይወት ኣድሕን መልእኽቲ ኢዩ ዘሎና። (ሮሜ 10:13–15) እቲ ዘገድስ ናይ ሰብ ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ስምረት ምርካብ ኢዩ። እቲ ዓለም ብዛዕባ ስብከትና ዘለዋ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ነቲ ብስራት መንግስቲ ብትብዓት ከይንሰብኮ ኣይክልክለናን ኢዩ።—ግብ. 4:29
4 የሱስ ፍቓድ ኣቦኡ ክገብር ዝነበሮ መሰል ኣኽቢሩ ሓዞ። (ዮሃ. 4:34) ምሉእ ነፍሱ ናብቲ ኣገልግሎት ወፈየ: ከምኡውን መዘንበሊታት ይኹኑ ተጻረርቲ ከዝሕልዎ ኣየፍቀደን። ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ምስባኽ ኣብ ህይወቱ ኵሉ ግዜ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ነበረ። (ሉቃ. 4:43) ንሕና ድማ ኣብነቱ ክንቀድሕ ተኣዚዝና ኢና። (1 ጴጥ. 2:21) ከምዚ ክንገብር ከሎና: “መዓይይቲ ኣምላኽ” ኰይንና ነገልግል ኣሎና ማለት ኢዩ። (1 ቈረ. 3:9) ካብዚ መሰል እዝስ ምሉእ ጥቕሚ ንረክብዶ ኣሎና? ብስሩዕን ናይ እግረ–መገድን ነቲ ወንጌል መንግስቲ ንኻልኦት ከነካፍል ኢልና ኣጋጣሚታት ሃለው ንብልዶ ኢና? ከም መሰኻኽር ናይ የሆዋ “ንስሙ ዝእመና ፍረ ኸናፍር” ከነቕርብ ኵሉ ግዜ እተዳሎና ክንከውን ይግብኣና።—እብ. 13:15
5 ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና እጃም ብዓቢኡ ብኣረኣእያና ኢዩ ዝውሰን። ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ኵሉ ኣዕሚቍና ነማስወሉዶ ኢና? ኣብ ኣገልግሎት ኵሉ እቲ እንኽእሎ ምእንቲ ክንፍጽም ዘለዓዕለና ፍቕሪ ንየሆዋ ኣብ ልብና ኣዕቢናዶ ኣሎና? በቲ ሕጂ እነስተማቕሮ ዘሎና በረኸታት ከምኡውን የሆዋ ኣብ መጻኢ ክገብረልና ተመባጺዕዎ ዘሎን ምስትንታን: ብፍቕሪ ናይ ፈጣሪና ክንመልእ ክሕግዘና ኢዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ፍቕሪ ኣብ ስብከት መንግስቲ ክሳዕ እቲ ኵነታትና ዘፍቅደልና ብቐጻልነትን ስርዓታውነትን ክንካፈል ከለዓዕለና ኢዩ። ቅንእና ናይቲ ንየሆዋን ጐረባብትናን ዘሎና ፍቕሪ መረጋገጺ ክህብ ኢዩ።—ማር. 12:30, 31
6 ንሓደ ነገር ኣኽቢርና ከም እንወስዶ በቲ ብእኡ እንገብሮን ብዛዕባኡ እንዛረቦን ኢና እነርኢ። ነቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ክንሰብኽ ዘሎና መሰል ብሓቂ ዋጋ ንህቦዶ ኢና? ኣገልግሎትና ነኽብርዶ ኣሎና? ተጻራርነት እኳ እንተሃለወ ኣብዚ ኣድላዪ ዕዮ እዚ ክንጸንዕ ቆሪጽናዶ ኢና? ነዚ ዘደንቕ ዝኾነ መሰል ኣኽቢርና ንሕዞ እንተድኣ ኰይንና: ቀንኣትን ብምሉእ ልብናን ከም እንኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ኢና።—2 ቈረ. 4:1, 7