ነቲ ቃል ናይታ መንግስቲ —ምስትውዓሉ
1 ኣብቲ ናይ ዘራኢ ምሳሌኡ: የሱስ: እቲ “ኣብ ጽቡቕ ምድሪ” ዝወደቐ ዘርኢ ከም “ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዘስተውዕሎ” ገይሩ ብምግላጽ ተዛረበ። (ማቴ. 13:23) ብዛዕባ እታ መንግስቲ ድሕሪ ምስማዕናስ ‘ኣስተውዒልናዮዶ’ ኣሎና? ንናብራና ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዝጸልዎ? ናይታ መንግስቲ ጥቕምታት ቀዳማይ ቦታ ብምሃብ ነቲ መልእኽቲ ከም ዘስተውዓልናዮ ንገልጽዶ ኣሎና?
2 ብዛዕባ እታ መንግስቲ ቅኑዕ ምርዳእ ክህሉ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ የድሊ። ኣብቲ ዝወሃብ መንፈሳዊ መግቢ ከነስተንትን ግዜ ክንምድብ የድልየና ኢዩ። ንግምቢ ዘብዐኛ ብሃወኽ ምንባቡ: ልክዕ ከም ንሓደ ጥዑምን መኣዛ ዘለዎን ብልዒ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልካ ምብልዑ ኢዩ። ነቲ መንፈሳዊ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ክትሓስበሉ ኢልካ ግዜ ትምድብዶ ኢኻ? ዝለዓለ ጥቕሚ ምእንቲ ክትረኽበሉ ዘለዓዕልን ጥዑይ መንፈሳዊ ሸውሃትን ክህሉ የድሊ። እዚኣቶም እንተድኣ ዘየልዮም: ካልኦት ንጥፈታት ነቲ ጥቕምታት ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክቕንስዎ ይኽእሉ ኢዮም: ወይ ድማ ነቲ ንመጽናዕቲ ዘድልየና ግዜ ክወስድዎ ኢዮም። ኣብ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ መደብ ክትጠብቕ ቀሊል ኣይኮነን። ብቐዳምነት ክግበሩ ዘለዎም ብጥንቃቐ ሚዛኖም ክሕለዉ እኳ ዘድሊ እንተኾነ: እቲ እትኸስቦ መንፈሳዊ ሃብቲ ብዋጋ ዘይሽነን ኢዩ።—ምሳ. 3:13–18፣ ቈሎ. 1:27
3 ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣወንታውን ሃናጽን ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ክንሕዝ ይሕግዘና ኢዩ። እቶም “ጽድቂ ዝጠምዩ” ኵሉ መዓልቲ ንዕለት ጥቕስን ሓሳባትን ከንብቡ ገለ ደቓይቕ ክህልዎም ይምድቡ ኢዮም። (ማቴ. 5:3) ብዙሕ ጥቕስታት እተፈላለየ ጐድንታት ናይታ መንግስቲ የብርህ። ንኣብነት: ኣብ 22 ሕዳር 1994 እታ እተጠቕሰት ጥቕሲ ማቴዎስ 13:4 ኢያ። እቲ ሓሳባት ነቲ ተስፋ ናይታ መንግስቲ ይጠቅስ እሞ ምስ ኣዝማድን ጐረባብትን ዘይጥዑይ ሕብረት ምግባር ዘለዎ ሓደጋ የጠንቅቐና። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ቤትኤላት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንግሆ 15 ደቒቕ ዝወሰድ ናይ ዕለታዊ ጥቕሲ ምምይያጥ ምህላዉ: ጥቕምን ኣገዳስነትን ናይ ሓቢርካ ናይ መዓልቲ ጥቕሲ ምዝርራብ የጋንን። ስድራቤትኩም ኣብ መዓልታዊ ናብራኹም ንኸምዚ ዝበለ ኣብ ግምት ተእትዎዶ ኢያ?
4 ነታ መንግስቲ ዘሎካ ሞሳ ክዓቢ ከሎ እቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ከተካፍሎ ዝያዳ ድፍኢት ክትረክብ ኢኻ። ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ከም ናይ ሓንጐል ነዳዲ ኰይኑ ንኣእምሮና ብሓድሽን እዋናውን ሓበሬታ ይምግቦ ኢዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ብዝለዓለ ደረጃ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተድልያ ዓሚቍ ምርዳእ ክንዕቅብ ይሕግዘና ኢዩ። “ሓሳብ ክርስቶስ” ዘለዎም መንፈሳውያን ሰባት ይገብረና። (1 ቈረ. 2:15, 16) እዚ ኵሉ ተስፋና ከነደልድልን ናይታ መንግስቲ ተስፋ ንኻልኦት ከነካፍል ዘሎና ቅንኢ ክዓብን የኽእሎ ኢዩ።—1 ጴጥ. 3:15
5 ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብብሕትና ከነስተውዕሎ ኣድላዪ ኢዩ። እታ መንግስቲ: ኣምላኽ ሉዓላዊነቱ ዘረጋግጸላ: እከይ ጠጠው ዘብለላን ሓዳስ ዓለም ማለት ገነት ዘምጽኣላን መሳርያ ኢያ። የሱስ ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ክንህባ ኢዩ ኣዚዙና። ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ክንነብር ከም ኣባጊዕ መሰል ተገዛእቲ ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 6:10, 33) ካብቲ በረኸታታ ምእንቲ ከተስተማቕር ነቲ ኣጋጣሚታትካ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ ኢኻ።