ዕለታዊ ጥቕሲ ንምንባብ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
1 ፈቃራት ወለዲ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንደቆም እኹል ምግቢ ንምቕራብ ብዙሕ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ። ንደቅኻ ኻብ ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ምግቢ ምቕራብ እሞ ኸኣ ካብዚ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ማቴ. 4:4) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብስድራቤት ደረጃ ዕለታዊ ጥቕስን ሓሳባቱን ምንባብ: ደቅኻ ጥዑይ መንፈሳዊ ሸውሃት ኬማዕብሉን ‘ንምድሓን ኪዓብዩን’ ዚሕግዝ መገዲ እዩ። (1 ጴጥ. 2:2) ነዚ ኣብ ናይ ስድራቤት መደብኩም መዓስ ክትገብሮ ትኽእል፧
2 ኣብ እዋን ምግቢ:- ነታ መዓልቲ ዕለታዊ ጥቕሲ ብምምይያጥ ምስ እትጅምራ: እታ ስድራቤት ምሉእ መዓልቲ ንየሆዋ ኽትዝክሮ ዚሕግዝ እዩ። (መዝ. 16:8) ሓንቲ ኣደ ወዳ ቝርሱ ኪቘርስ ከሎ ዕለታዊ ጥቕስን ሓሳባቱን ምስኡ ዀይና ተንብብን ትመያየጠሉን ነበረት። ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምኻዱ ነዚ ቓላት እዝን ጸሎትን ሰሚዑ እዩ ዚወጽእ። እዚ ድማ ጾታዊ ምቅርራብ ንኺገብር ዝመጾ ጸቕጢ ንኺጻወር: ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ንኺሕሉ: ከምኡውን ንተመሃሮን ንመምህራንን ብትብዓት ንኺምስክር ኣኽኢልዎ እዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሱ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: እተገለለ ዀይኑ ግን ተሰሚዕዎ ኣይፈልጥን።
3 ንግሆ ኸም ስድራቤት ኴንካ ዕለታዊ ጥቕሲ ምንባብ ዘይጥዕም ምስ ዚኸውን: ኣብታ መዓልቲ ኣብ ዚጥዕመኩም እዋን ምናልባት እውን ምሸት ኣብ ግዜ ድራር ብሓባር ኴንኩም ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም። ገሊኦም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ተመክሮታት ከምኡውን ካብ ናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሰጦም ሓሳባት ሽዑ ይመያየጡሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት እዚ ኣጋጣሚ እዚ ሓደ ኻብቲ ኸም ስድራቤት መጠን ዜሕለፍዎ ዝበለጸ ግዜ ገይሮም እዮም ዚዝክርዎ።
4 ምሸት:- ንገለ ስድራቤታት ዕለታዊ ጥቕሲ ንምንባብ እቲ ዝበለጸ ግዜ ቕድሚ ምድቃሶም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብሓባር ኴንካ ንምጽላይ እውን ምሹእ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። ደቅኹም ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረቡ: ናብኡ ድማ ክትጽልዩ ኺሰምዑ ኸለዉ: የሆዋ ንዕኦም ናይ ሓቂ ኣካል እዩ ዚኸውን።
5 ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር እትብል ጽሕፍቲ ተጠቒምካ ሓቂ ኣብ ኣልባብ ውሉዳትካ ንምስራጽ እትገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ይባርኮ።