ግብራዊ ዝዀነ ናይ ስድራቤት መደብ ኣውጽእ
1 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት: ንሰማዕቱ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ብምባል ተላበዎም። (ማቴ. 6:33 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓንቲ ስድራቤት ንጥፈታታ መዲባ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምእንቲ ኽትህብ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ መደብ ኪህልዋ ኣለዎ። ነቲ ኣብ ገጽ 6 እዛ እታው እዚኣ ዚርከብ መደብ ተጠቒምካ ሒደት ደቓይቕ ብምውሳድ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት መደብ ኣውጽእ። ገሊኦም ነቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ወረቐት ቀዲሖም እናቘረጹ ኣብቲ ልዕሊኡ ዘሎ መደብ ኪጥቅዕዎ ይደልዩ ይዀኑ። ካልኦት ድማ ነቲ ንጥፈታት ኣብቲ መደብ ኪጽሕፍዎ ይመርጹ ይዀኑ።
2 እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን መደብ: ናይ ገዛእ ርእስኻ መደብ ኣብ ምውጻእ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። እቲ መደብ ኣርባዕተ መሰረታውያን ንጥፈታት ጥራይ ከም ዜጠቓልል ከተስተብህል ኢኻ: (1) ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምክፋል: (2) ናይ ስድራቤት ግራት ኣገልግሎት: (3) ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ከምኡውን (4) ዕለታዊ ጥቕሲ ምንባብ። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ንጥፈታት ኣብ ናይ ስድራቤትኩም መደብ ምስ እተእትውዎ “ዚሓይሽ ክትምርምሩ” ኪሕግዘኩም እዩ። (ፊል. 1:10) ነዚ ኣርባዕተ መዳያት እዚ ዚምልከት ተወሳኺ ሓሳባት ድማ ኣብ ገጽ 4-5 እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኺርከብ ይከኣል።
3 ናይ ስድራቤትካ መደብ ኣብዘን ኣርባዕተ ንጥፈታት ጥራይ ኪሕጸር የብሉን። ኣብ ኣኼባ ንዚውሰድ መደባት ከም ስድራቤት ኴንኩም ትዳለዉሉ እንተደኣ ዄንኩም ኣብ መደብኩም ከተእትውዎ ትኽእሉ ኢኹም። ዕለታዊ ጥቕሲ ድሕሪ ምንባብኩም ወይውን ኣብ ካልእ እዋን: ሓቢርኩም መጽሓፍ ቅዱስ ተንብቡ እንተደኣ ዄንኩም: ነዚ እውን ኣብቲ ናይ ስድራቤት መደብ ከተእትውዎ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኡ ግዜ ብሓባር ትዘናግዑ እንተደኣ ዄንኩም: እዚ እውን ኣብቲ መደብኩም ከተእትውዎ ትኽእሉ ኢኹም።
4 እቲ ናይ ስድራቤት መደብ ናይ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራቤት ድሌትን ኵነታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ መደብ ከመይ ይቕጽል ከም ዘሎ ንምፍላጥን ኣድላዪ ለውጢ ንምግባርን በብግዜኡ ገምግምዎ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሰሌዳ]
ንመርኣዪ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
ንግሆ ድሕሪ ቐትሪ ምሸት
ሰንበት ዕለታዊ ጥቕሲ
ህዝባዊ ዝርርብ
ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ
ሰኑይ ዕለታዊ ጥቕሲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ
ሰሉስ ዕለታዊ ጥቕሲ ጉባኤ
ትምህርቲ መጽሓፍ
ረቡዕ ዕለታዊ ጥቕሲ
ሓሙስ ዕለታዊ ጥቕሲ ቲኦክራሲያዊ
ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ
ኸምኡውን ናይ
ኣገልግሎት ኣኼባ
ዓርቢ ዕለታዊ ጥቕሲ
ቀዳም ዕለታዊ ጥቕሲ
ናይ ስድራቤት
ግራት ኣገልግሎት
(መዓልቲ መጽሔት)
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሰሌዳ]
ናይ ስድራቤት መደብ
ንግሆ ድሕሪ ቐትሪ ምሸት
ሰንበት
ሰኑይ
ሰሉስ
ረቡዕ
ሓሙስ
ዓርቢ
ቀዳም
..................................................................
ዕለታዊ ዕለታዊ ዕለታዊ ዕለታዊ ዕለታዊ ዕለታዊ ዕለታዊ
ጥቕሲ ጥቕሲ ጥቕሲ ጥቕሲ ጥቕሲ ጥቕሲ ጥቕሲ
ህዝባዊ ቲኦክራሲያዊ ናይ ናይ ስድራቤት ናይ ናይ ስድራቤት ናይ
ዝርርብ ኣገልግሎት ጉባኤ መጽናዕቲ ንባብ ስድራቤት
ከምኡውን ቤት ትምህርቲ ትምህርቲ ግራት ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ምዝንጋዕ
ትምህርቲ ኸምኡውን መጽሓፍ
ግምቢ ናይ
ዘብዐኛ ኣገልግሎት
ኣኼባ