ህይወትኩም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከም እተተኵር ግበርዋ
1 የሱስ ንሰማዕቱ ብኽልተ ዓይነት ሃነጽቲ መሰሎም። እቲ ሓደ ንህይወቱ ነቲ ከም ከውሒ ተመሲሉ ዘሎ የሱስ ኣብ ምእዛዝ ከም እተተኵር ገይሩ ሃነጻ እሞ እቲ ከም ህቦብላ ንፋስ ዝዀነ ምጽራርን ጸበባን ምስ መጾ ጸኒዑ ደው ክብል ከኣለ። እቲ ሓደ ግን ኣብቲ ከም ሑጻ ተመሲሉ ዘሎ ስስዐ ዝመልኦ ዘይምእዛዝ ሃነጻ እሞ ጸቕጢ ምስ መጾ ደው ክብል ኣይከኣለን። (ማቴ. 7:24-27) ኣብ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንነብር ስለ ዘሎና: ከም ብርቱዕ ንፋስ ዝዀነ ብዙሕ ጸበባ የጋጥመና ኢዩ። ናይቲ ዓቢ ጸበባ ዘፍርህ ደመና የንጸላሉ ኢዩ ዘሎ። እምነትና ከይተነቓነቐት ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመም ዲና፧ (ማቴ. 24:3, 13, 21) እዚ ብዓቢኡ ኣብቲ ሕጂ ንህይወትና እንሃንጸሉ ኣገባብ እተመርኰሰ ኢዩ። ስለዚ: ንገዛእ ርእስና ‘ንክርስትያናዊ ህይወተይ ኣብቲ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ዝቐርብ ኣገልግሎት ደልዲላ ከም እትህነጽ እገብራዶ ኣሎኹ ኢየ፧’ ኢልና ክንሓትት ይግብኣና።
2 ንህይወትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከም እተተኵር ገይርና ንህነጻ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ንየሆዋ ሕመረት ናይ ህይወትና ምግባር ማለት ኢዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቀንዲ ዋኒንና ገይርና ናብኣ ምትኳር ማለት ኢዩ። ኣብ ኵሉ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንኣምላኽ ምእዛዝ ዘጠቓለለ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ብብሕትና: ምስ ስድራቤት: ኣብ ጉባኤ እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምሉእ ልብና ምክፋል ዝሓትት ኢዩ። ነዚ ነገራት እዚ ቀዳምነት ምሃብ ማለት ኢዩ። (መክ. 12:13፣ ማቴ. 6:33) ከምዚ ዝኣመሰለ ብዘይምቍራጽን ብምእዛዝን ዝግበር ኣነባብራ: ዝዀነ ይኹን ከም ህቦብላ ንፋስ ዝበለ ሽግር ከጋጥም ከሎ ክምህ ዘይትብል እምነት ከም እትህልወና ዝገብር ኢዩ።
3 ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ህይወቶምን መጻኢ ተስፋኦምን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከም ዘተኵር ገይሮም ብተኣማንነት ክሃንጽዎ ምርኣይ ባህ ዘብል ኢዩ። (ዮሃ. 4:34) ዘየቋርጽ ናይ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት መደብ ብምግባር ጠቢቖም ይስዕብዎ: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ። ሓንቲ ኣደ ንሳን በዓል ቤታን ንኽልተ ደቆም ንየሆዋ ከም ዘገልግሉ ገይሮም ብኸመይ ከም ዘዕበይዎም ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ኣኼባታት ብምክፋል: ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተዳሊና ብምኻድን ብምክፋልን: ግራት ኣገልግሎት ከኣ ምዱብ ክፍሊ ናብራና ብምግባር ንህይወትና በታ ሓቂ ከም እትመልእ ገይርናያ ኢና።” በዓል ቤታ ኸኣ ወሲኹ “ሓቂ ክፍሊ ህይወትና ዘይኰነትስ ህይወትና ኢያ። ካልእ ኵሉ ኣብኣ ዘተኰረ ኢዩ” በለ። ንስኻትኩምከ ብተመሳሳሊ ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ስድራቤትኩም ቀዳምነትዶ ትህብዎ ኢኹም፧
4 ክትስዕብዎ እትኽእሉ ሰሙናዊ መደብ ኣውጽኡ:- ማሕበር የሆዋ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ ኣኼባታት ብምድላው ጽቡቕ መንፈሳዊ መደብ ክንስዕብ ትሕግዘና ኢያ። እቶም ንህይወቶም ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ከም እተተኵር ገይሮም ዝሃንጽዋ ክርስትያናት ነቲ ዓለማውን ናይ ስድራቤትን ጕዳያቶም መደባት ክሰርዑ ከለዉ ኣብ ኵሉ እዚ ኣገደስቲ ኣኼባታት እዚ ንኽካፈሉ ከም ዘኽእሎም ገይሮም ኢዮም ዝምድብዎ። ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ጕዳያት ስርዓታውያን ኰይኖም ንኸይካፈሉ ክዓናቕፎም ኣይፈቕድሉን ኢዮም።—ፊል. 1:10፣ እብ. 10:25
5 ልክዕ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ እተወሰነ ሰዓታት ስርዓታዊ ኴንካ ስጋዊ መግቢ ምምጋብ ዘድሊ: ብሱላት ክርስትያናት ንኣኼባታት ንምድላው ዝኸውን ግዜ እውን ሓዊስካ ናይ ብሕትን ናይ ስድራቤትን መጽናዕቲ ንምግባር ውሱን መደብ ምውጻእ ከም ዘድልዮም ይግንዘቡ ኢዮም። (ማቴ. 4:4) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተ ወሓደ 15 ወይ 20 ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር ክትምድቡዶ ምኸኣልኩም፧ እቲ ቀንዲ ረቛሒ ካልእ ነገራት ቀስ ኢሉ ኣብቲ ንመጽናዕቲ እተመደበ ግዜ ክኣቱ ዘይምፍቃድ ኢዩ። ነዚ ክጠቕመካ ዝኽእል ልማድ ግበሮ። እዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ኣንጊህኩም ክትስኡ ይሓተኩም ይኸውን። እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ 17,000 ዝዀኑ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ዕለት ጥቕሲ ንምግባር ኣንጊሆም ይትስኡ ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ኣንጊህካ ክትስእ እንተድኣ ዄንካ ንስራሕ ድሉውን ግቡእ ዕረፍቲ ረኺብካን ምእንቲ ክትስእ ኣብታ ቅድሚኣ ዘላ ምሸት ቀልጢፍካ ምድቃስ ከድልየካ ኢዩ።
6 ርእሲ ስድራቤት እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ናይ ስድራቤትካ ናይ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈት መደብ ክትውጥንን ክትሰርዕን ተበግሶ ውሰድ። ገለ ስድራቤታት ድሕሪ ድራር ኣብ ዘሎ ዕረፍቶም መጽሓፍ ቅዱስ: ዓመት መጽሓፍ ወይ ካልእ ጽሑፍ ብሓባር ኰይኖም የንብቡ። እቶም ደቆም ብመንፈስ ጽኑዓት ክርስትያናት ኰይኖም ክዓብዩ ዝረኣዩ ወለዲ: ሓደ ካብቲ ንኽዕወቱ ኣበርክቶ ዝገበረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓቢሮም ብመንፈስ ዝተሃናነጹላ ምሸት ናይ ምምዳብ ልምዲ ብምምዕባሎም ምዃኑ ይዛረቡ። ሓደ ኣብ ስድራቤቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ልምዲ ዝነበሮ ኣቦ ከምዚ በለ:- “ኣነ ከም ዝመስለኒ መንፈሳዊ ዕቤት ደቅና ብዓቢኡ ፍረ ናይቲ ቅድሚ 30 ዓመት ዝጀመርናዮ ስርዓታዊ ዝዀነ ረቡዕ ምሸት እንገብሮ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኢዩ።” ኵሎም ሰለስተ ደቁ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ ተጠምቁ እሞ ደሓር ሰለስቲኦም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣቀራርባታት ወይ ኣብ ኣኼባታት ንዝውሰድ ክፍልታት ምድላው: ከምኡውን ካልእ ጥዑይ ንጥፈታት ብሓባር ኴንካ ምዕያይ ይከኣል ኢዩ።
7 ኣብቲ ሰሙናዊ መደብኩም: ንስብከት መንግስቲ ዝኸውን ‘ግዜ ዓዲግኩም’ ዲኹም፧ (ቈሎ. 4:5) መብዛሕትና ናይ ስድራቤትን ናይ ጉባኤን ሓላፍነት ስለ ዘሎና ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ መደብ ኢዩ ዘሎና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ክንካፈል ውሱን መደብ እንተ ዘየውጺእና: እቲ ኻልእ ነገራት ነዚ ኣድላዪ ዝዀነ ንጥፈት እዚ ብቐሊሉ ክሽፍኖ ይኽእል ኢዩ። ወናኒ ናይ ሓደ ዓቢ መራብሒ ከብቲ ከምዚ በለ:- “ኣብ ከባቢ 1944 ኣቢሉ: ኣብ ኣገልግሎት ክዕወት ዝኽእለሉ እንኮ መገዲ እተወሰነ መዓልቲ ንኣገልግሎት ምምዳብ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ክሳዕ ሕጂ ኣገልግሎት ንምውፋር ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ካብ ስራሕ የዕርፍ ኢየ።” ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ንኣገልግሎት ዝኸውን ውሱን ግዜ ብምምዳቡ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ወርሒ ብገምጋም 15 ሰዓታት ክውፊ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ቀዳም ክገብሮ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ጕዳይ ምስ ዝህልዎ: ነቲ ንግሆ ዝገብሮ ኣገልግሎት ምስ ወድአ ክፍጽሞ ኢዩ ዝምድብ። ንስኻን ስድራቤትካንከ እንተ ወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ንኣገልግሎት ክትምድብን ክፍሊ ናይቲ መንፈሳዊ ኣነባብራኻ ክትገብርን ትኽእልዶ፧—ፊል. 3:16
8 ነቲ ኣገባብ ናብራኻ ኣጸቢቕካ መርምሮ:- ንህይወትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከም እተተኵር ገይርና ንኸይንሃንጻ ዝዓናቕፉ ነገራት ኣለዉ። ዘይተሓስበ ነገራት ነቲ ብጥንቃቐ ንመጽናዕቲ: ንኣኼባ: ንኣገልግሎት ክኸውን ኢልና ዝመደብናዮ ክዓናቕፎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ተጻራሪና ሰይጣን ‘ክዓግተና’ ከምኡውን መደባትና ክዓናቕጽ ኢሉ ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ኢዩ። (1 ተሰ. 2:18፣ ኤፌ. 6:12, 13) እዚ ዕንቅፋታት እዚ ተስፋ ከቝርጸካ: ከም እትሕለል ክገብረካ ኣይተፍቅደሉ። ነቲ ዝመደብካዮ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዀነ ይኹን ምትዕርራያት ግበር። ነቲ ብሓቂ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ንምፍጻም ቈራጽነትን ዘይምሕላልን ኣድላዪ ኢዩ።
9 ዓለማዊ ጽልዋን እቲ ንድሕሪት ዝጐተና ዘይፍጹም ስጋናን ዝነውሐ ግዜናን ቈላሕታናን ክወስድ ዝኽእል መንፈሳዊ ዘይኰነ ንጥፈታት ናብ ምጅማር ክመርሓና ክንፈቕደሉ የብልናን። ከምዚ ዝስዕብ ሕቶታት ብምሕታት ገዛእ ርእስና ክንምርምር ኣድላዪ ኢዩ:- ‘ኣነባብራይ ቀስ ብቐስ ሚዛኑ ኣጥፊኡ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዕላማኡ ስሒቱ ድዩ፧ ንኣነባብራይ ኣብዚ ሓላፊ ዝዀነ ናይዛ ዓለም እዚኣ ነገራት ከም ዘተኵርዶ ክገብሮ ጀሚረ ኣለኹ ኢየ፧ (1 ዮሃ. 2:15-17) ምስቲ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዘሕልፎ ግዜ ክወዳደር ከሎ እቲ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት: ኣብ ዙረት: ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት: ወይ ተሌቪዥን ምርኣይን ኢንተርነት ምጕርጓርን ሓዊስካ ኣብ ካልእ መዘናግዒታት ዘሕልፎ ግዜ ክንደይ ኢዩ፧’
10 ህይወትካ ብብዙሕ ዘየድሊ ንጥፈታት ከም ዝጋሕመጠ እንተ ተሰሚዑካ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣሕዋቱ “እንደገና ክዕረዩ” (NW ): ወይ “ኣብቲ ግቡእ መስመር ክኣትዉ” ዝጸለዮ: ሕጂ እውን ንየሆዋ ኣብ ዝቐርብ ኣገልግሎት ምእንቲ ከተተኵር ስለምንታይ ኣጸቢቕካ ዘይትልምኖ፧ (2 ቈረ. 13:9, 11 NW እግረ-ጽሑፍ) ካብኡ ከምቲ ዝወሰንካዮ ክትነብር ቍረጽ: እቲ ዘድሊ ምትዕርራያት ከኣ ግበር። (1 ቈረ. 9:26, 27) የሆዋ ኸኣ ካብቲ ንዕኡ ከተቕርቦ እተኣዘዝካዮ ኣገልግሎት ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይትብል ክሕግዘካ ኢዩ።—ምስ ኢሳይያስ 30:20, 21 ኣረኣእዮ።
11 ኣብቲ ዘሐጕስ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዝ ኩን:- ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሓጐስ ንምርካብ ኣጸቢቖም ኢዮም ሓርኰትኰት ዝብሉ። ናብ ሞት ምስ ቀረቡ ግን: እቲ ክርኽብዎ ተሃንጥዮም ዝደልይዎ ዝነበሩ ስጋዊ ነገራት ነባሪ ሓጐስ ዘየምጽእ ኰይኑ ይጸንሖም። ‘ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ’ ኢዩ ነይሩ። (መክ. 2:11) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ንየሆዋ ‘ኣብ ቅድሜና ብምግባር’ ህይወትና ናብኡ ከም እተተኵር ምስ እንገብር: ውሽጣዊ ዕግበት ንረክብ። (መዝ. 16:8, 11) ከምዚ እንገብር ከኣ የሆዋ ናይ ህላወና ምኽንያት ስለ ዝዀነ ኢዩ። (ራእ. 4:11) ብዘይ እዚ ዝዓበየ በዓል ዕላማ ህይወት ትርጕም የብላን። ንየሆዋ ምግልጋል: ንዓናን ንኻልኦትን ነባሪ እወ: ዘለኣለማዊ ብዝዀነ መገዲ ክጠቕመና ብዝኽእል ትርጕምን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ከም እንረክብ ዝገብር ኢዩ።
12 መወዳእታ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣዝዩ እናቐረበ ይመጽእ ምህላዉ ብምርሳዕ ሸለል እንብል ከይንኸውን: ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ኸኣ ከይነጥፍእ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ኢዩ። መዓልታዊ ናብራና በቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ኣረኣእያ ይጽሎ ኢዩ። እቶም ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ክመጽእ ኢዩ ዝብል እምነት ዘይነበሮም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት: መዓልታዊ ናብርኦም ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም—ምብላዕ: ምስታይ: ምትእትታው—ከም ዘተኵር ብምግባሮም እቲ ማይ ኣይሂ “ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን” ነበሩ። (ማቴ. 24:37-39) ሎሚ እውን: እቶም ንህይወቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ከም እተተኵር ዝገብርዋ: እቲ ተስፋ ዝገበርሉ ነገራት ኵሉ ኣብቲ ንሰብ ክሳዕ ሕጂ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ዝኸውን ዝዓበየ ጥፍኣት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ክበታተን ክርእይዎ ኢዮም።—2 ጴጥ. 3:10-12
13 ስለዚ እምበኣር: ህይወትኩም ኣብቲ ህያው ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ፍቓዱ ኣብ ምግባርን ከም እተተኵር ምግባር ቀጽሉ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ህይወት: ኣብቲ እሙን ዝዀነ ደጋፊ የሆዋ ካብ ምውካል ንላዕሊ ንመጻኢ ከተቐምጦ እትኽእል ነገር የለን። ክሕሱ ዘይክእል: መብጽዓታቱ ዝፍጽም ኢዩ። (ቲቶ. 1:2) ንሱ ኣይመውትን ኢዩ—ካብቲ ንዕኡ ሕድሪ ዝሃብናዮ ነገራት ዋላ ሓንቲ ኣይትጠፍእን ኢያ። (ኣን. 1:12 NW፣ 2 ጢሞ. 1:12) እዚ ሕጂ እንሃንጾ ዘሎና ናይ ምእዛዝን እምነትን ህይወት: መጀመርታ ናይቲ ነቲ ሕጉስ ኣምላኽና እነቕርቦ ንዘለኣለም ዝቕጽል ባህ ዘብል ኣገልግሎት ኢዩ!—1 ጢሞ. 1:11፣ 6:19 NW
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
“ሓቂ ክፍሊ ህይወትና ዘይኰነትስ ህይወትና ኢያ።
ካልእ ኵሉ ኣብኣ ዘተኰረ ኢዩ።”