ርእስኻ ኣይትቐይድ—ብስራሕ ትሑዝ ምስ እትኸውን
1. ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ድሕር ምሕር ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧
1 ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ብስራሕ ትሑዛት ስለ ዝዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ድሕር ምሕር ይብሉ እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፡ ግዜ ኸም ዚወስድ ዚከሓድ ኣይኰነን። ነቲ መጽናዕቲ ምድላውን ምምራሕን ኰነ እቲ ተመሃራይ ንውልቃዊ ዕንቅፋታቱ ንኺዋጽኣሉ ምሕጋዝ፡ ግዜ ይሓትት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎ፡ ነፍሱ ኼካፍሎም ይፈቱ ነበረ። (1 ተሰ. 2:7, 8) ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንኣጠቓቕማ ግዜና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
2 ኣምልኾ ግዜ ይወስድ፦ ኣምልኾ ግዜ ኸም ዚወስድ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታት ንኽንእከብን ኣብ ኣገልግሎት ንኽንካፈልን መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነንብብን ንኽንጽልን ግዜ የድልየና እዩ። ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ብዓል ሓዳር፡ ምስ መጻምድቱ ግዜ ኼሕልፍ ኣለዎ። ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ንዕኡ ንምምላኽ ‘ግዜ ኽንዕድግ’ ኣሎና። (ኤፌ. 5:15-17፣ 1 ዮሃ. 5:3) ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና፡ ኣገዳሲ ኽፋል ኣምልኾና እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ብዛዕባ እዚ ምስትንታንና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ድሕር ምሕር ንኸይንብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
3. ንኣገልግሎትና ዚዓናቕፍ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብኸመይ ኢና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ እንኽእል፧
3 ይኹን እምበር፡ ስራሕ፡ ሕዱር ሕማም፡ ወይ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታት ንመደብ ኣገልግሎትና እንተ ዓናቐፎኸ፧ ሓሓሊፎም ናብ ካልእ ቦታ ዚጐዓዙ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ብተሌፎን ወይ ብኮምፕዩተር ገይሮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ እዮም። እቶም ሕዱር ሕማም ዘለዎም ኣስፋሕቲ ድማ፡ እቶም መጽናዕቶም ናብ ቤቶም ከም ዚመጹ ይገብሩ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ንዓታቶም ተኪኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓሎም ትውክልቲ ዚግበሮ ኣስፋሒ የዳልዉ።
4. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ እንታይ በረኸት እዩ ዚርከብ፧
4 ጳውሎስ ንግዜኡን ንጕልበቱን ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ኣብ ምምሃር ስለ ዘውዓሎ፡ ብዙሕ ሓጐስ ረኸበ። (ግብ. 20:35) ብዛዕባ እቲ ኣብ ተሰሎንቄ ምስ ኣገልገለ ዝረኸቦ ፍረ ጻማ ኺሓስብ ከሎ፡ ንየሆዋ ንኼመስግኖ ተደረኸ። (1 ተሰ. 1:2) ብስራሕ ትሑዛት ምዃንና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይንመርሕ ኪቕይደና እንተ ዘይፈቒድናሉ፡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሓጐስን ዕግነትን ኪውስኽ እዩ።