ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/07 ገጽ 4
  • ኣይተድሓርሕር!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣይተድሓርሕር!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ኣሞጽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣሞጽ ኣራይ ዳዕሮ ድዩ ነይሩ ወይስ ቀርጣፍ ዳዕሮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ካብ ትንቢት ዮኤልን ትንቢት ኣሞጽን ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 11/07 ገጽ 4

ኣይተድሓርሕር!

1. በየናይ መገድታት ኢና ‘ሰናይ ዘይንኸልእ’፧

1 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ንጡፋት ኴንና ብምክፋል: ነቶም ኣብቲ እተመደብናዮ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ‘ሰናይ ኣይንኸልኦምን’ ኢና። (ምሳ. 3:27) ንሰባት ካብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣምላኽ ዝሓሸ ግዜ ኸም ዚህሉ ዚገልጽ መልእኽቲ ዚበልጽ ካልእ መልእኽቲ ኸነካፍሎም ኣይንኽእልን ኢና። ዘይወግዓዊ ምስክርነት ብምሃብ ይኹን ጽሑፋት ብምዕዳል ንሰባት ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዝሒ ተካፍሎም እኳ እንተ ዀንካ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይትመርሕ እንተ ደኣ ኣሊኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧

2. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ከም እነድሓርሕር ኪገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

2 ሓድሓደ እዋን: ሓደ ኻብቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ከም ዜሸግረና ዚገብር ዝዓበየ ዕንቅፋታት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዚስምዕና ስምዒት እዩ። ገሊኦም ዘይብቑዓት ኰይኑ ስለ ዚስምዖም ወይ ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ስለ ዚዀኑ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ የድሓርሕሩ። እዚ ዚስዕብ ሓሳባት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ከይተድሓርሕር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ማቴ. 28:19፣ ግብ. 20:20

3. መጽሓፍ ቅዱስ ክንምህር ብቑዓት ዝዀንና ስለምንታይ ኢና፧

3 ርእሰ-ምትእምማን ዘይምህላው:- ውሑድ ዓለማዊ ትምህርቲ ወይ ካልእ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ብርእስኻ ኸም ዘይትተኣማመን ዚገብረካ ምኽንያታት ይህልወካ ይኸውን። እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ውጽኢታውያን ክርስትያን ኣገልገልቲ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” እዮም ነይሮም። ንኻልኦት ሓቂ ኺምህሩ ዘኽኣሎም ግን እንታይ እዩ፧ ‘ምስ የሱስ ስለ ዝነበሩ እዩ።’ (ግብ. 4:13) ካብቲ ትምህርትታቱን ሜላታቱን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተዓቂቡልና ዘሎ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ እዮም ተማሂሮም። ውሱን ዓለማዊ ትምህርቲ እውን እንተ ረኸብካ: መወዳድርቲ ዘይብሉ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኢኻ ትረክብ ዘለኻ።—ኢሳ. 50:4፣ 2 ቈረ. 3:5

4. ካብ ኣብነት ኣሞጽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

4 የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ጌጋ ንዝገበሩ ገዛእቲ ወይ ልዕል ዝበለ ቦታ ንዘለዎም ሰባት ንምእራም: ነብያት ይጥቀም ነበረ። ከም ኣሞጽ ዝኣመሰሉ ነብያት ኣብቲ ሕብረተሰብ ትሑት ቦታ እዩ ነይርዎም። ኣሞጽ: “ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር: ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይኰንኩን” ኢሉ ተኣመነ። (ኣሞ. 7:14) እንተዀነ ግን: ናብቲ ምራኽ ዜምልኽ ዝነበረ ካህን ኣማስያ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ኻብ ምብጻሕ ድሕር ኣይበለን። (ኣሞ. 7:16, 17) ኵሉ ግዜ ዕዮ ኣምላኽ ንፍጽም ከም ዘለናን ኣምላኽ ነዚ ዕዮ እዚ ብቑዓት ንኽንከውን ከኣልቲ ኸም ዝገብረናን ክንርስዕ የብልናን።—2 ጢሞ. 3:17

5. ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ዀንና: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ብስራሕ ትሑዝ ምዃን:- ብስራሕ ትሑዝ እኳ እንተ ዀንካ: ኣብ ኣገልግሎት ንኽትካፍል ዜኽእለካ መደብ ድሮ ኣውጺእካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ደስ ዜብል መዳይ ኣገልግሎት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቃል የሆዋ ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ኪዓዪ ኸሎ ኽትርኢ ፍሉይ መሰል እዩ። (እብ. 4:12) ሓደ ሰብ ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእ’ ንኽንሕግዞ መስዋእትታት ክንገብር ከለና የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (1 ጢሞ. 2:4) መላእኽቲ እውን ከይተረፈ ሓደ ሰብ ካብቲ ናይ ቀደም መገዱ ተነሲሑ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ከሎ ምስ ዚርእዩ ይሕጐሱ እዮም።—ሉቃ. 15:10

6. ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎና፧

6 ኣምላኽ: “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዚደሊ። (1 ጢሞ. 2:4) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ከየድሓርሓርና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምዕያይሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ