ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንቓል የሆዋ መርምሮ!
1 ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንእምነትና ዝምልከት ሓድሽ ብድሆ ሒዛ ኢያ እትመጽእ። ምናልባት እትፈልጠካ ዓለማዊት ጓል ኣንስተይቲ ወይ ዝፈልጠኪ ዓለማዊ ወዲ ተባዕታይ ስምዒታዊ ምቅርራብ ክገብሩ ይደልዩ ይህልዉ። መምህርካ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ክትጽመድ ወይ ወሃብ ስራሕካ ነዊሕ ሰዓታት ክትሰርሕ ይደልየካ ይኸውን። ጥዕና ትስእን ትህሉ። የሆዋ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ንኽትጻወሮ ዘኽእለካ ጥበብ ንምሃብ ድሉው ኢዩ። ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ቃል የሆዋ ከተንብበሉ እትኽእል መገዲ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ዝርከብ ጥቕስታትን ሓሳባትን ምምርማር ኢዩ። ነዚ ምድላው እዚ ትጥቀመሉዶ ኢኻ፧
2 ሓገዝ ክርከብ ይከኣል ኢዩ:- ኢሳይያስ 30:20 የሆዋ ህዝቡ ሓገዝ ንምርካብ ትጽቢት ክገብርሉ ዝኽእሉ “ዓቢ መምህር” (NW ) ምዃኑ ገሊጻቶ ኣላ። ኣብ እምነትካ ንዘጋጥመካ ብድሆ ንኽትዋጽኣሉ ዘድልየካ ነገራት ይቕርበልካ ኢዩ። ብኸመይ፧ እታ ቀጺላ ዘላ ቍጽሪ “ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን” ብምባል ትገልጽ። ሎሚ: የሆዋ ‘ንቓሉ’ ብቕዱሳት ጽሑፋትን በቲ ‘እሙን ባርያ’ ዘዳለዎ ጽሑፋትን ገይሩ የመሓላልፈልና ኣሎ። (ማቴ. 24:45) እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ መዳያት ናይ ክርስትያናዊ ናብራ ስለ ዝትንክፍ ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብ ኣለዎ። ነቲ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ዝርከብ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ እተጠቕሰ ሓሳባት ምምርማር: ንዅሉ ዓይነት ፈተናታት ክትዋጽኣሉ ዘኽእለካ ብዋጋ ዘይሽነን መኽዘን ፍልጠት ንኽትሃንጽ ይሕግዘካ ኢዩ።—ኢሳ. 48:17
3 ግዜ መድበሉ:- ሓንቲ ኣደ ንግሆ ንግሆ ግዜ ዝሓጽራ እኳ እንተዀነ: ወዳ ቁርሱ ክቘርስ ከሎ ነቲ ጥቕስን ሓሳባቱን ምስኡ ኰይና ካብ ምንባብን ምምይያጥን ግን ኣይተብኵርን ነበረት። ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምኻዱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ነዚ ቃላት እዝን ጸሎትን ሰሚዑ ኢዩ ዝወጽእ። እዚ ድማ ጾታዊ ምቅርራብ ንኽገብር ዝመጾ ጸቕጢ ንኽጻወር: ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ንኽሕሉ: ከምኡውን ንተማሃሮን ንመምህራንን ብትብዓት ንኽምስክር ኣኽኢልዎ ኢዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሱ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ: እተገለለ ኰይኑ ግን ተሰሚዕዎ ኣይፈልጥን።
4 መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋን ቃሉን ጠምት። ከምዚ እንተ ገይርካ: ልክዕ ከም እትኣምኖ ዓርክኻ ህያው ክዀነልካ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብኡ ጠምት! ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ንቓል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ዝምርምሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሓቢርካ: ኣዒንትኻ “ንዓቢ መምህርካ ዝርእያ ኣዒንቲ” (NW ) ይግበረን።