ክርስትያናዊ ህይወት
ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
መንፈሳዊ ልማድካ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ነታ መዓልቲ ዚኸውን ሓሳባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማርን የጠቓልል ድዩ፧ ከምኡ ዘይትገብር እንተ ዄንካ፡ ነዚ ኽፍሊ ልማድካ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ ብዙሓት ኣሕዋት፡ ነዚ ንግሆ ንግሆ እዮም ዚገብርዎ፣ በዚ ኸምዚ፡ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኪገብሩ ኸለዉ ብዛዕባ እቲ እተዋህበ ሓሳባት ኬስተንትኑ ይኽእሉ እዮም። (እያ 1:8፣ መዝ 119:97) ካብታ ጥቕሲ ዕለት ዝያዳ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ንምፍላጥ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ኣንብቦ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ጐሊሑ ዘሎ ስርዓት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትሓስብ ፈትን። ድሕሪኡ፡ ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ህይወትካ ተግብሮ። ቃል ኣምላኽ ንውሳነታትካ እንተ ጸልይዎ፡ ንህይወትካ ኺመርሖን ብሓቂ ኺጠቕመካን እዩ።—መዝ 119:105።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ስድራ ቤት-ኤል፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር፡ ኣብ እዋን ቍርሲ እየን ዜንብባ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ሓያሎ ኻብዚ ቪድዮታት እዚ ኣብ JW Library® ኣብ ትሕቲ መደባትን ፍጻመታትን ይርከብ እዩ። ገለ ኻብዚ ቪድዮታት ካብ እትርኢ ኽንደይ ሓሊፉ ኣሎ፧ ምናልባት ገለ ኻብቲ ትሕዝቶ ብልክዕ ንዓኻ ዜድልየካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ብዛዕባ ሎጥ ዚገልጽ ዛንታ ንውሳነታትካ ብኸመይ ይጸልዎ ይኸውን፧
ነታ ንዓለም ኣይትፍተውዋ (1ዮሃ 2:15) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ንቓል የሆዋ ኸም ዘኽብሮ ምሉእ መዓልቲ ኸርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧