ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ለካቲት ገጽ 7
  • ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ትጥቀምዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕለታዊ ጥቕሲ ንምንባብ ዚኸውን ናይ ስድራቤት መደብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ርእሲ ስድራቤታት—ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃልኹም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ግብራዊ ዝዀነ ናይ ስድራቤት መደብ ኣውጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ጥቕስታት ቅድሚ ምንባብካ ግቡእ መእተዊ ምግባር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ለካቲት ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ትጥቀምዶ ኣለኻ፧

መንፈሳዊ ልማድካ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ነታ መዓልቲ ዚኸውን ሓሳባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማርን የጠቓልል ድዩ፧ ከምኡ ዘይትገብር እንተ ዄንካ፡ ነዚ ኽፍሊ ልማድካ ኽትገብሮ ትኽእልዶ፧ ብዙሓት ኣሕዋት፡ ነዚ ንግሆ ንግሆ እዮም ዚገብርዎ፣ በዚ ኸምዚ፡ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኪገብሩ ኸለዉ ብዛዕባ እቲ እተዋህበ ሓሳባት ኬስተንትኑ ይኽእሉ እዮም። (እያ 1:8፣ መዝ 119:97) ካብታ ጥቕሲ ዕለት ዝያዳ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብዛዕባ እታ ጥቕሲ ንምፍላጥ ነቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት ኣንብቦ። ብዛዕባ እቲ ኣብታ ጥቕሲ ጐሊሑ ዘሎ ስርዓት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትሓስብ ፈትን። ድሕሪኡ፡ ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ህይወትካ ተግብሮ። ቃል ኣምላኽ ንውሳነታትካ እንተ ጸልይዎ፡ ንህይወትካ ኺመርሖን ብሓቂ ኺጠቕመካን እዩ።—መዝ 119:105።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ስድራ ቤት-ኤል፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር፡ ኣብ እዋን ቍርሲ እየን ዜንብባ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ሓያሎ ኻብዚ ቪድዮታት እዚ ኣብ JW Library® ኣብ ትሕቲ መደባትን ፍጻመታትን ይርከብ እዩ። ገለ ኻብዚ ቪድዮታት ካብ እትርኢ ኽንደይ ሓሊፉ ኣሎ፧ ምናልባት ገለ ኻብቲ ትሕዝቶ ብልክዕ ንዓኻ ዜድልየካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ብዛዕባ ሎጥ ዚገልጽ ዛንታ ንውሳነታትካ ብኸመይ ይጸልዎ ይኸውን፧

ነታ ንዓለም ኣይትፍተውዋ (1ዮሃ 2:15) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እታ ነዚ ኣምልኾ ንግሆ መሰረት ክትከውን እተዳለወት ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየነይቲ እያ፧

  • ዛንታ ሎጥ፡ ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ምፍታው ዘለዎ ሓደጋ ብኸመይ የጕልሕ፧—ዘፍ 13:12፣ 14:12፣ 19:3, 12, 13, 24-26

  • ንየሆዋ ደኣ እምበር፡ ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኸም ዘይንፈቱ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ስእልታት፦ ሓደ ሓው ነታ ጥቕሲ ዕለትን ነቲ ሓሳባትን ምሉእ መዓልቲ የስተንትነሉ። 1. ኬንብባ ኸሎ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ብኣእዳዎም ሒዞም ካብ ሶዶም ኬውጽእዎም ከለዉ ብኣእምሮኡ ይስእሎ። 2. ኣብ ስራሑ፡ ምሳሑ እናበልዐ ነቲ ንግሆ ዘንበቦ ኣብ ኣእምሮኡ ይስእሎ። 3. ምሸት ኣብ ገዛ፡ ክዳን እናዓጸፈ ነቲ ንግሆ ዘንበቦ የስተንትነሉ።

ንቓል የሆዋ ኸም ዘኽብሮ ምሉእ መዓልቲ ኸርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ