ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ለካቲት
6 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት ከምኡውን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ምልክታታት። እቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ መጽሔታትና ዝወጹ ዓንቀጻት ብኸመይ ኣብቲ ናይ ቤተ–ቤት ዕዮ ከም ዝቐርቡ ብተዋስኦ ኣርኢ።
17 ደቒቕ:- “ስብከት—ክቡር መሰል።” ብሕቶን መልስን። ካብቲ ናይ 15 ሓምለ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19 ቍጽሪ 13–16 ዘሎ ተመርኲስካ ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
18 ደቒቕ:- “ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ብስሉጥ ምፍላጣ።” ካብታ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 46–7 ቍጽሪ 9–12 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ: እቶም ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ምስ ተሳተፍቲ ተዘራረበሎም። ኣብ ዞባኹም እንታይ ዓይነት መእተዊ ስሉጥ ክኸውን ከም ዝኽእል ተመያየጠሎም። ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ብተዋስኦ ኣዳሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ከነበርክታ ከም ዘሎና ጽቐጠሉ።
መዝሙር 82ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።
13 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ንዝኾነ እተገብረ ወፈያ ማሕበር ዝገበረቶ ኣፍልጦ እንተድኣ ኣሎ ጥቐስ። “ካብቶም እተሓደሱ ህዝባዊ ዝርርባት ምጥቃም” ተመያየጠሎም።
10 ደቒቕ:- ንጉባኤ ዘድሊ።
15 ደቒቕ:- “ቃል ናይታ መንግስቲ—ምስትውዓሉ።” ብሕቶን መልስን። ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ብኸመይን መዓስን ነቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕቶም ወይ ናይ ዕለት ጥቕሲ ከም ዝገብሩ ተሞኵሮኦም ከም ዝነግሩ ግበር።
10 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ሓልዮት ኣርኢ—ክፍሊ 2።” ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብን ምይይጥን። ነቶም ኣብቲ ከባቢ እተራእዩ ሽግራት ኣመልክት እሞ ዝሰማማዕ ምኽሪ ሃብ።
መዝሙር 109ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።
20 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
5 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ነቲ ናይ ከባቢ ዞባ ዝሰማምዑ እዋናውያን መጽሔታት ኣመልክት።
23 ደቒቕ:- “ካብቶም እተሸሙ ተዓዘብቲ ምጥቃም።” ዝርርብ ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 41 (ንኡስ ኣርእስቲ) ክሳዕ 43 (ታሕቲ)፣ ገጽ 45–6 (ብብሕቲ ምጥቃም)። ከምኡውን ብዛዕባ “ናይ ከተማ ተዓዛቢ” (ገጽ 46): “ናይ ጨንፈር ኮሚቴ” (ገጽ 52): ከምኡውን “ናይ ዞን ተዓዛቢ” (ገጽ 53) ሕጽር ዝበለ መብርሂ ሃብ። ገለ ናይ ድግማ ሕቶታት ኣዳሉ።
17 ደቒቕ:- “ነቲ ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ተኸታተሎ።” ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሎም። ናይቶም ንመጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ምስ ተቐበሉ ዝሃብዎ ናይ ምስጋና ሓሳባት ኣዘንቱ። (ነታ ናይ 15 ግንቦት 1986 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ከምኡውን ናይ 1 መጋቢት 1987 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ርአ።) ነቶም ተዋሂቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ብኸመይ ከም እትጥቀመሎም ዘርኢ ሓደ ወይ ክልተ ተዋስኦ ኣዳሉ። ንኹሎም ምስ ተገደስቲ ሰባት ጽንዓት ክጅምሩ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 147ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።
27 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 184
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። እቲ ጽሓፊ “ናይ ግራት ኣገልግሎትን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ጸብጻብ ብኸመይ ብትኽክል ከም ዝምላእ” የርኢ። ከም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጽብጸብ ዝኽእል እንታይ ምዃኑን ኣብ ትሕቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ እንታይ ክጽሓፍ ከም ዘለዎን ከምኡውን ናይ ውሽጢ ጸገማትን ጥቐስ።
35 ደቒቕ:- “ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ኣይንሕዘን።” ብሕቶን መልስን ምይይጥ። ዝበዝሑ ቍጽርታት ከተንብቦም ፈትን።
መዝሙር 207ን ናይ መዕጸዊ ጸሎትን።