ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/02 ገጽ 1
  • መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጁ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጁ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • እቲ ኽንሰብኮ ዚግባእ መልእኽቲ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 12/02 ገጽ 1

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጁ

1 “ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ።” (ሉቃ. 4:43) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ: ቀንዲ ዕላማ ኣገልግሎቱ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ገለጸ። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ብትንቢት እተገልጸ: እቲ ሕጂ እንእውጆ ዘሎና መልእኽቲ እውን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ። ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ሓቅታት እዮም ክሰምዑ ዘድልዮም፧

2 ኣብዚ ግዜና መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና ትገዝእ ኣላ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ንዅሉ ግዝኣታት ደቅሰብ ክትትክኦ እያ። ድያብሎስ ድሮ ኻብ ሰማይ ተደርብዩ: እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ እውን መወዳእታኡ ቐሪቡ እዩ። (ራእ. 12:​10, 12) እዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ኣረጊት ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከሎ: መንግስቲ ኣምላኽ ግን ንዘለኣለም ክትጸንዕ እያ።​—⁠ዳን. 2:44፣ እብ. 12:28

3 መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ጥዑይ ባህግታት እዙዛት ደቅሰብ ከተማልእ እያ። ካብቲ ውግእ: ዓመጻ: ጭቈና: ከምኡውን ድኽነት ዘምጽኦ ሓሳረ መከራ መስተርሆ ኸተምጽእ እያ። (መዝ. 46:8, 9፣ 72:​12-14) ኣኽል⁠-​ታርፍ መግቢ ኽህሉ እዩ። (መዝ. 72:16፣ ኢሳ. 25:6) ሕማምን ስንክልናን ነበረ ተባሂሉ ኽዝረበሉ እዩ። (ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6) ወድሰብ ናብ ፍጽምና እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ: ሰባት ከኣ ብስኒት ሓቢሮም ክነብሩላ እዮም።​—⁠ኢሳ. 11:6-9

4 በዚ ናይ ሕጂ ኣነባብራና ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ከም እንደሊ ነርኢ ኢና። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሸቶታትና: ቀዳምነት ንእንህቦ ነገራት: ኰታስ ንብምልኡ ናብራ ህይወትና ኽጸልዎ ኣለዎ። ንኣብነት: ንኣባላት ስድራ​ቤትና ዘድልዮም ነገራት ከነማልእ ሓላፍነት እኳ እንተሎና: ሓልዮት ሓዳር ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ክሓንቆ ግን ከነፍቅድ የብልናን። (ማቴ. 13:22፣ 1 ጢሞ. 5:8) ኣብ ክንድኡስ: ነቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ብስጋ ዘድሊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ኢና እንስዕብ።​—⁠ማቴ. 6:33

5 ግዜ ኸሎ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብህጹጽ ክሰምዑን ስጕምቲ ኽወስዱን ኣለዎም። እምበኣር ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናኣረዳእና:’ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ንኽወስዱ ንሓግዞም።​—⁠ግብ. 19:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ