መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣውጁ
1 “ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ።” (ሉቃ. 4:43) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ: ቀንዲ ዕላማ ኣገልግሎቱ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ገለጸ። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ብትንቢት እተገልጸ: እቲ ሕጂ እንእውጆ ዘሎና መልእኽቲ እውን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ። ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ሓቅታት እዮም ክሰምዑ ዘድልዮም፧
2 ኣብዚ ግዜና መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና ትገዝእ ኣላ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ንዅሉ ግዝኣታት ደቅሰብ ክትትክኦ እያ። ድያብሎስ ድሮ ኻብ ሰማይ ተደርብዩ: እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ እውን መወዳእታኡ ቐሪቡ እዩ። (ራእ. 12:10, 12) እዚ እኩይ ናይ ሰይጣን ኣረጊት ኣገባብ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ከሎ: መንግስቲ ኣምላኽ ግን ንዘለኣለም ክትጸንዕ እያ።—ዳን. 2:44፣ እብ. 12:28
3 መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ጥዑይ ባህግታት እዙዛት ደቅሰብ ከተማልእ እያ። ካብቲ ውግእ: ዓመጻ: ጭቈና: ከምኡውን ድኽነት ዘምጽኦ ሓሳረ መከራ መስተርሆ ኸተምጽእ እያ። (መዝ. 46:8, 9፣ 72:12-14) ኣኽል-ታርፍ መግቢ ኽህሉ እዩ። (መዝ. 72:16፣ ኢሳ. 25:6) ሕማምን ስንክልናን ነበረ ተባሂሉ ኽዝረበሉ እዩ። (ኢሳ. 33:24፣ 35:5, 6) ወድሰብ ናብ ፍጽምና እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ: ሰባት ከኣ ብስኒት ሓቢሮም ክነብሩላ እዮም።—ኢሳ. 11:6-9
4 በዚ ናይ ሕጂ ኣነባብራና ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ከም እንደሊ ነርኢ ኢና። መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሸቶታትና: ቀዳምነት ንእንህቦ ነገራት: ኰታስ ንብምልኡ ናብራ ህይወትና ኽጸልዎ ኣለዎ። ንኣብነት: ንኣባላት ስድራቤትና ዘድልዮም ነገራት ከነማልእ ሓላፍነት እኳ እንተሎና: ሓልዮት ሓዳር ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ክሓንቆ ግን ከነፍቅድ የብልናን። (ማቴ. 13:22፣ 1 ጢሞ. 5:8) ኣብ ክንድኡስ: ነቲ የሱስ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ብስጋ ዘድሊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ኢና እንስዕብ።—ማቴ. 6:33
5 ግዜ ኸሎ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብህጹጽ ክሰምዑን ስጕምቲ ኽወስዱን ኣለዎም። እምበኣር ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናኣረዳእና:’ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ንኽወስዱ ንሓግዞም።—ግብ. 19:8