ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 1 ገጽ 12-13
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 1 ገጽ 12-13
ብርሃን ጸሓይ ኣብ ልዕሊ እታ ኻብ ህዋ እትርአ ምድሪ ይበርህ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እሞ ደኣ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ እንታይ እያ እትገብር፧ ስለምንታይከ ኢና ብዛዕባኣ ኽንጽሊ ዘሎና፧

የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።

ሉቃስ 1:31-33፦ “ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን።”

መንግስቲ ኣምላኽ ቀንዲ ፍረ ነገር ስብከት የሱስ እያ ነይራ።

ማቴዎስ 9:35፦ “የሱስ ከኣ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረ፡ ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ።”

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እትመጸሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ኺፈልጡ ዚሕግዝ ምልክት ሂብዎም እዩ።

ማቴዎስ 24:7፦ “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።”

ሕጂ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ።

ማቴዎስ 24:14፦ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት

መንበረ መንግስቲ። ብኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝቘመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 4:17።

ዕላማ። መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። ኣብኣ ኸኣ ኵሎም ሰባት ብሰላምን ብስኒትን ኪነብሩ እዮም፣ ሕማም ወይ ሞት እውን ኣይኪህሉን እዩ።—መዝሙር 37:11, 29።

ገዛእቲ። ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ሸይምዎ ኣሎ፣ ምስኡ ድማ ካብ ምድሪ እተዓደጉ 144,000 መጋዝእቱ ኺገዝኡ እዮም።—ሉቃስ 1:30-33፣ 12:32፣ ራእይ 14:1, 3።

ተገዛእቲ። ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም፣ ንግዝኣት የሱስ ድማ ብፍታዎም ኪግዝኡ፡ ንሕግታት እታ መንግስቲ እውን ኪእዘዙ እዮም።—ማቴዎስ 7:21።

የሱስ ንደቂ ሰብ ንምግዛእ ብሉጽ ብቕዓት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክኢላን ፈቃርን ገዛኢ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ነዚ ድማ በዚ ዚስዕብ መገድታት እዩ ኣርእዩ፦

  • ንድኻታት ሓልዩሎም።—ሉቃስ 14:13, 14።

  • ብልሽውናን ዘይፍትሓውነትን ጸሊኡ።—ማቴዎስ 21:12, 13።

  • ሓይልታት ተፈጥሮ ተቘጻጺሩ።—ማርቆስ 4:39።

  • ኣሽሓት ሰባት መጊቡ።—ማቴዎስ 14:19-21።

  • ንሕሙማት ደንጊጹ፡ ንዅሎም ዝሓመሙ እውን ኣሕውዩ።—ማቴዎስ 8:16።

  • ንምዉታት ኣተንሲኡ።—ዮሃንስ 11:43, 44።

ካብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሕጂ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

ተገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ዄንካ፡ ሕጂ ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ገለ ኻብቲ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ በረኸት እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦

  • ‘ምስ ኵሉ ሰብ፡ ሰላም ይስዕቡ።’—እብራውያን 12:14።

  • ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ፍቕርን ኣኽብሮትን ስለ ዘሎ፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ሰላምን ሓድነትን ይረኽቡ።—ኤፌሶን 5:22, 23, 33።

  • ‘ንመንፈሳዊ ነገራት ህርፋን’ ስለ ዘለዎም፡ ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ይህልዎም።—ማቴዎስ 5:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ