የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ
“ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።”—ሉቃስ 8:1።
ብዛዕባ ዜገድሰና ወይ ከኣ እነፍቅሮ ነገራት ምዝራብ የሐጕሰና እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ማቴዎስ 12:34) ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዚዛረበሉ ዝነበረ ነገራት ክንምርምሮ ኸለና፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ኣዝዩ የገድሶ ኸም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ መንግስቲ፡ ብንጉስ ዚግዛእ ምምሕዳር እዩ። ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ የሆዋ ዘቘማ መንግስቲ እያ ማለት እዩ። የሱስ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይዛረብ ነበረ፡ ቀንዲ መልእኽቲ ስብከቱ ኸኣ እያ ነይራ። ኣብተን ኣርባዕተ ወንጌላት፡ ልዕሊ 110 ሳዕ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ሓሳብ ይርከብ። የሱስ ግን ብቓላት ጥራይ ኣይኰነን ዚምህር ነይሩ። ተግባራቱ እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ እትገብሮ ነገራትን ብዙሕ ይምህረና እዩ።
ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብሰባት እተመርጸ ኣይኰነን። ኣምላኽ እዩ መሪጽዎ። የሱስ ንኻልኦት ኪምህር ከሎ፡ ንሱ እቲ ብኣምላኽ እተመርጸ ንጉስ ከም ዝዀነ ገለጸ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ከም ዚገዝኣ ተነብዩ ነበረ፣ የሱስ ድማ ነዚ ትንቢት እዚ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (2 ሳሙኤል 7:12-14፣ ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 26:63, 64) እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ኸኣ ኣግሂዱ ይዛረብ ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ ከም ዝዀነ ኣፍለጠ። (ዮሃንስ 4:25, 26) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ ብተደጋጋሚ “መንግስተይ” ዚብል ዝነበረ።—ዮሃንስ 18:36።
የሱስ ኣብታ መንግስቲ ምስኡ ዚገዝኡ ኸም ዘለዉ እውን ምሂሩ እዩ። (ሉቃስ 22:28-30) ቍጽሪ እዞም መጋዝእቱ ውሱን ስለ ዝዀነ ድማ፡ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ጸውዖም። “እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ” ኸኣ በሎም። (ሉቃስ 12:32) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ቍጽሪ እዞም ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ፍሉይ መሰል ዚረኽቡ ሰባት፡ 144,000 ምዃኑ ትሕብር።—ራእይ 5:9, 10፣ 14:1።
መንግስቲ ኣምላኽ ኣበይ ኰይና እያ እትገዝእ፧ የሱስ ነቲ ሮማዊ ገዛኢ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) እታ ብክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብሰብኣውያን ወኪላት ኣቢላ ኣይኰነትን እትገዝእ። የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብተደጋጋሚ፡ “መንግስተ ሰማያት” ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ።a (ማቴዎስ 4:17፣ 5:3, 10, 19, 20) ስለዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሰማያዊት መንግስቲ እያ።
የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ምስ ወድአ ናብ ሰማይ ከም ዚምለስ ርግጸኛ ነበረ። ኣብኡ ንመጋዝእቱ ‘ስፍራ ኸም ዜዳልወሎም፡’ ማለት ምስኡ ንኺሓብሩ መገዲ ኸም ዚኸፍተሎም ከኣ ገለጸ።—ዮሃንስ 14:2, 3።
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትፍጽም እያ፧ የሱስ ንሰማዕቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ይኸውን ኣሎ። የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ምድሪ ዓብዪ ለውጢ ኸተምጽእ እያ።
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እንታይ ክትገብር እያ፧ የሱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንእኩያት ሰባት ብምጥፋእ ንእከይ ከም እተወግዶ መሃረ። (ማቴዎስ 25:31-34, 46) እወ፡ ዝዀነ ይኹን ብልሽውናን ክፍኣትን ኣይኪህሉን እዩ። ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ “ዓቃላት፡” ጻድቃን፡ መሓርቲ፡ “ጽሩያት ልቢ፡” ገበርቲ ሰላም ንምድሪ ኺመልእዋ እዮም።—ማቴዎስ 5:5-9።
እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ እተበከለት ፕላነት ድዮም ኪነብሩ፧ ኣይፋሎምን! ምድርና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዜደንቕ ለውጢ ኸም እትገብር፡ የሱስ መብጽዓ ኣትዩ ነበረ። ሓደ ኣብ ጐድኒ የሱስ ተሰቒሉ ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃስ 23:42, 43) እወ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ብምቕያር፡ ልክዕ ከምታ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረት ክትገብራ እያ።
መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ክትገብረሎም እያ፧ የሱስ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትገብሮ ነገራት መብጽዓ ጥራይ ኣይኰነን ኣትዩ። እንታይ ከም እትገብር እውን ብተግባር ኣርእዩ እዩ። ናይቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ግዝኣት መንግስቱ ብዓብዪ ደረጃ ዚገብሮ ነገራት ብንእሽቶ ደረጃ ዜርኢ ብዙሕ ተኣምራዊ ምሕዋይ ፈጺሙ እዩ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጸብጻብ ወንጌል ብዛዕባ የሱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ” ይብል።—ማቴዎስ 4:23።
የሱስ እተፈላለየ ዓይነት ምሕዋይ ፈጺሙ እዩ። ‘ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ኣዒንቱ ኸፈተሉ።’ (ዮሃንስ 9:1-7, 32, 33) ንሓደ ብዜፈንፍን ሕማም ለምጺ ዚሳቐ ዝነበረ ሰብኣይ ብኢዱ ተንክዩ ኣሕወዮ። (ማርቆስ 1:40-42) “ሓደ ጸማምን ዓባስን” ናብኡ ምስ ኣምጽኡ ድማ፡ “ጸማማት ከም ዚሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዚዛረቡ” ኺገብር ከም ዚኽእል ኣርኣየ።—ማርቆስ 7:31-37።
እዚ ብኣምላኽ እተሸመ ንጉስ፡ ንሞት እውን እንተ ዀነ ስዒርዎ እዩ። ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ድማ ንሰባት ካብ ሞት ኣተንስአ። እዚኣቶም ከኣ፡ ወዲ ሓንቲ መበለትን ሓንቲ ጓል 12 ዓመት ቈልዓን እቲ ዜፍቅሮ ፈታዊኡ ኣልኣዛርን እዮም።—ሉቃስ 7:11-15፣ 8:41-55፣ ዮሃንስ 11:38-44።
የሱስ ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ንተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጽበዮም ዘሎ ዜደንቕ መጻኢ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ፦ “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 1:1፣ 21:3, 4) እዛ ሓዘንን ስቓይን ሞትን ዘይህልዋ ዓለም ከመይ ክትመስል ከም እትኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሽዑ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ዚገልጽ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ።
መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧ የሱስ፡ ምጅማር ንጉሳዊ ግዝኣቱ፡ ኣብቲ ‘ህላወኡ’ ተባሂሉ ዚጽዋዕ እዋን ከም ዚኸውን መሃረ። ኣብ ንጉሳዊ ስልጣኑ ዚህልወሉ እዋን መዓስ ከም ዚጅምር ንምሕባር፡ ዝርዝር ትንቢት ተነበየ። እቲ እዋን እቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዜጋጥም ጸገማት፡ ማለት ብውግእን ብጥሜትን ብምንቅጥቃጥ ምድርን ብፌራን ብዓመጻን ከም ዚፍለጥ ሓበረ። (ማቴዎስ 24:3, 7-12፣ ሉቃስ 21:10, 11) እዝን ሓያሎ ኻልእ የሱስ እተነበዮ ትንቢታትን፡ ካብታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረላ 1914 ኣትሒዙ ብግሁድ ይርአ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር፡ ሕጂ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ መጺኣ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኽትፍጽሞ እያ።b
ምጽኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ኺህልዎ፧ እዚ ኣብቲ ንመልእኽቲ የሱስ እትህቦ ምላሽ እተመርኰሰ እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዛ “መንግስተ ሰማያት” እትብል መግለጺት፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 30 ሳዕ ኣቢላ ተጠቒሳ ኣላ።
b ምጽኣት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብተን ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ ዲና እንነብር ዘለና፧” እትብል ምዕራፍ 9 ርአ።