ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ክንዕቅብ ኣሎና
1 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1992 ኣትሒዞም ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓት ብቕንኣት ወፍዮም እዮም። ኣብዚ ዜደንቕ ዕዮ እዚ ንእሽቶ እጃም ከነበርክት ብምኽኣልናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጉሳት ኢና!—ማቴ. 28:19, 20
2 ርግጽ እዩ: ኵሉ ምስጋናን ውዳሰን ነቲ ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ ኣብ ኣገልግሎትና ንኽንቅጽል ዝሓገዘና የሆዋ እዩ ዚግባእ። (2 ጢሞ. 3:1) ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ብቕንኣት ክንቅጽል እንተ ደኣ ዄንና: ብወገንና ኸነማልኦ ዘሎና እንታይ እዩ፧
3 መሰረት ቅንኣትና:- ንየሆዋን ንብጾትናን ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ ኸምኡውን ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ዘሎና ልባዊ ባህጊ: ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክንካፈል ይድርኸና። (ማቴ. 22:37-39፣ 1 ዮሃ. 5:3) ፍቕሪ ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልወና መስዋእትታት ክንገብር ተለዓዕለና።—ሉቃ. 9:23
4 ቅንኣትና ኽንዕቅብ ንጽዓር:- እቲ ተጻራሪና ዝዀነ ድያብሎስ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ኬቕህም ወትሩ እዩ ዚጽዕር። ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ዜርእይዎ ዘይምግዳስ: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ነገራት: ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዜጋጥመና ጸቕጢ: ከምኡውን ጥዕናና እናኣንቆልቈለ ብምኻዱ ዚፈጥረልና ሻቕሎት: ገለ ኻብቲ ተስፋ ንኬቝርጸና ዚጥቀመሉ ነገራት እዩ።
5 ስለዚ: ቅንኣትና ህያው ንኪኸውን ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕር[ና]” ኽንኵስኵሳ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ከምኡውን ካብቲ መንፈሳዊ መሰናድዎታት እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም የጠቓልል።—ራእ. 2:4፣ ማቴ. 24:45፣ መዝ. 119:97
6 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከም ዚሕብሮ: እታ ፍርሃት ኣምላኽ ንዘይብሎም ሰባት እተጥፍእ መዓልቲ የሆዋ ብቕልጡፍ እናቐረበት ትመጽእ ኣላ። (2 ጴጥ. 2:3፣ 3:10) ሃየ እምበኣር: ነዚ ብንጹር ኣብ ኣእምሮና ሒዝና: ኣብቲ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዚዕየ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ንምዕቃብ ኣበርቲዕና ንጽዓር!