ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ንቕንኣት የሆዋን የሱስን ክትቀድሖ ዲኻ፧
1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ እንታይ ፍሉይ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ፧
1 የሆዋ ንዕላማኡ ብቕንኣት እዩ ዚፍጽሞ። ኢሳይያስ 9:7 ንገለ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸታት ኣመልኪታ፡ ‘ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ’ ትብል። ብተመሳሳሊ እውን እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብርቱዕ ቅንኣት ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 2:13-17፣ 4:34) ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ንጥፈታት ብምዝያድ ንቕንኣት የሆዋን የሱስን ንምቕዳሕ፡ ፍሉይ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ዲኻ፧
2. ቅንኣት፡ ካብ መጋቢት 7 ጀሚርና፡ እንታይ ንኽንገብር ኢያ እትድርኸና፧
2 ወፈራ በዓል ዝኽሪ፦ ሎሚ ዓመት ካብ ቀዳም 7 መጋቢት ጀሚርና፡ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጹ ኽንዕድሞም ኢና። ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኣት ንኽትካፈል ካብ ሕጂ መደብ ግበር። ጉባኤታት ብእተኻእለ መጠን ንኽለን ንምሽፋን ጻዕሪ ብምግባር ሓጐስ ኪረኽባ እየን። ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስካ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎም ሰባት፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንኣዛማድካ፡ ንመማህርትኻ ወረቐት ዕድመ ብምሃብ ወይ jw.org ተጠቒምካ ኽትዕድሞም ጽዓር።
3. ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ሓጋዚ ፈላሚ፦ ቅንኣት፡ ኣገልግሎትና ንኸነስፍሕ እውን ትድርኸና እያ። ብዙሓት ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን 30 ሰዓታት ብምምጻእ ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤትካ ወይ ናይ ብሕቲ መጽናዕትኻ፡ ነዚ ብኸመይ ክትገብርዎ ኸም እትኽእሉ ብጸሎት ሕሰቡሉ። (ምሳ. 15: 22) ኣብዚ ወፈራ እዚ ብውዕዉዕ መንፈስ ምክፋልካ ንኻልኦት እውን ብቕንኣት ንኺካፈሉ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። ዝያዳ ንኽትዓዪ ብሕታዊ ምትዕርራያት እንተ ጌርካ ንቕንኣት የሱስ ክትቀድሖ ኢኻ።—ማር. 6:31-34።
4. ንቕንኣት የሆዋን የሱስን ምስ እንቐድሕ እንታይ በረኸት ኢና እንረክብ፧
4 ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ንቕንኣት የሆዋን የሱስን ምስ እንቐድሕ ብዙሕ በረኸት ክንረክብ ኢና። ብዙሓት ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ምስክርነት ኪቕበሉ እዮም። ንሕና ድማ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋልን ንኻልኦት ካብ ምሃብን ዚርከብ ሓጐስን ዕግበትን ከነስተማቕር ኢና። (ግብ. 20:35) ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ቐናእ ዝዀነ ኣምላኽናን ንወዱን ከነሐጕሶም ኢና።