ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ጥሪ ገጽ 16
  • ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዚኸውን ሸቶ ኣውጽእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዚኸውን ሸቶ ኣውጽእ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ነታ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ዕለት ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዜሐጕስ ግበሮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ወቕቲ በዓል ዝኽሪ—ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ ኣጋጣሚ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ጥሪ ገጽ 16

ክርስትያናዊ ህይወት

ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዚኸውን ሸቶ ኣውጽእ

ዓመት ዓመት ህዝቢ የሆዋ፡ ሓቢሮም በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ይህንጠዩ እዮም። ቅድሚ በዓል ዝኽርን ድሕሪኡን ዘሎ ሰሙናት ንየሆዋ ስለቲ ውህበት በጃ ንምውዳስን ንምምስጋንን ፍሉይ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። (ኤፌ 1:3, 7) ንኣብነት፡ ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ብዙሕ ንጽዕር ኢና። ገሊኦም ኣብ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃን 30 ወይ 50 ሰዓት ንምግልጋል ምትዕርራያት ይገብሩ እዮም። ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትደሊዶ፧ ነዚ ኽትገብሮ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምና ውጥን እንተ ኣውጺእና፡ ኪሰልጠና ይኽእል እዩ። (ምሳ 21:5) በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ውጥን እነውጽኣሉ እዋን ሕጂ እዩ። ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ኣገልግሎትካ ኸም እተስፍሕን ሸቶኻ ኸም እትውቅዕን ሕሰበሉ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንጻዕርኻ ምእንቲ ኺባርኾ ለምኖ።—1ዮሃ 5:14, 15።

ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሓሉ እትኽእል ገለ መገድታት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧

ሸቶታት

ሸቶይ ምእንቲ ኽወቅዕ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ