ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/07 ገጽ 1
  • እቲ ብሕድሪ እተዋህበና መዝገብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብሕድሪ እተዋህበና መዝገብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልብኻ ኣብ መንፈሳዊ መዛግብቲ ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንዕዮ ስብከት ኣኽቢርካ ርኣዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ኣማስወሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 2/07 ገጽ 1

እቲ ብሕድሪ እተዋህበና መዝገብ

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ምስባኽ መዝነት ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ: “መዝገብ” ኢሉ ድማ ጠቒስዎ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:7) ነዚ መዝነት እዚ ንምፍጻም ሽግርን መስጐጕትን ተጸሚሙ እዩ። ንዝረኸቦ ዘበለ ሰብ ከይተሓለለ ይሰብኽ ነበረ። ብባሕርን ብምድርን ብዙሕ ኣጸጋምን ሓደገኛን ጕዕዞታት ተጓዒዙ እዩ። ንጳውሎስ ክንመስሎን ንኣገልግሎትና ኣኽቢርና ኽንርእዮን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሮሜ 11:13) ንኣገልግሎትና መወዳድርቲ ዘይብሉ መዝገብ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

2 ብሉጽ መዝገብ:- ምድራዊ መዛግብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብጓሂ እተሰነየን ውሱን ወይ ግዝያዊ ጥቕምታት ጥራይ ዚርከቦን እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ኣገልግሎትና ንዓና ዀነ ንኻልኦት ነባሪ ጥቕምታት እዩ ዘለዎ። (1 ጢሞ. 4:16) ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንኣምላኽ ኪፈልጡ: ኣብ ህይወቶም ኣድላዪ ለውጥታት ኪገብሩ: ከምኡውን ናይ ሓቂ ተስፋ ህይወት ዘለኣለም ኪረኽቡ ይሕግዝ። (ሮሜ 10:13-15) ንኣገልግሎትና ልዑል ግምት ብምሃብ ዜሐጕስ ዕላማ ዘለዎ ህይወት: ነባሪ ዕግበት: ከምኡውን ዜተባብዕ ተስፋ ይህልወና።—1 ቈረ. 15:58

3 ንመዝገብካ ኸም እተኽብር ኣርኢ:- ንሓደ ነገር ዘሎና ግምት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ንዕኡ ኢልና እንኸፍሎ ዋጋ እዩ ዚርአ። ግዜናን ጕልበትናን ንየሆዋ ኣብ ምውዳስ ከነውዕሎስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ! (ኤፌ. 5:16, 17) ኣጠቓቕማ ግዜና ንመንፈሳዊ ነገራት ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ንሰባት ከነካፍሎ እንኽእል ክቡር ነገር ስለ ዘሎና ብውዕዉዕ መንፈስ ክንሰብኽን ዝረኸብናዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ነቲ ብስራት ንምንጋር ክንጥቀመሉ ንቑሓት ክንከውንን ኢና እንደሊ።

4 መብዛሕትኡ ግዜ ኽቡር መዝገብ ሰባት ምእንቲ ኺርእይዎ: ኣብ ዚርአ ቦታ ደኣ እምበር ኣብ ሕቡእ ቦታ ኣይቅመጥን እዩ። ንኣገልግሎትና ኸም መዝገብ ንርእዮ እንተ ደኣ ዄንና: ኣብ ህይወትና ዝለዓለ ቦታ ኺህልዎ እዩ። (ማቴ. 5:14-16) እምበኣር: ብምስጋና ኻብ ዝመልአ ኣልባብ ተላዒልና: ልክዕ ከምቲ ንሓደ መዝገብ ኣኽቢርና እንርእዮ ኣብ ዝረኸብናዮ ዘበለ ኣጋጣሚ ኣገልግሎትና ኸም እነኽብር ብምርኣይ ንሃዋርያ ጳውሎስ ንምሰሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ