ንኣምላኽ ቅረቦ
“ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ
የሆዋ ኣምላኽ፡ ብቐሊሉ ኽንረኽቦ እንኽእል ኽቡር መዝገብ ኣዳልዩ ኣሎ፣ ክንረኽቦ ኸኣ ይደሊ እዩ። እዚ መዝገብ እዚ፡ ሃብቲ ኣየምጽእን እዩ፣ ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ገንዘብ ኪዕድጎ ዘይክእል ውሽጣዊ ሰላምን ዕግበትን ባህ ዜብል ህይወትን ግና ኼምጽእ ይኽእል እዩ። እዚ መዝገብ እዚ እንታይ እዩ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣብ ምሳሌ 2:1-6 ብዛዕባ እዚ መዝገብ እዚ ገሊጹ ኣሎ።
ሰሎሞን ነቲ መዝገብ፡ “ምፍላጥ ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማኡን ዚሕብር ሓቂ ዜመልክት እዩ። (ቍጽሪ 5) እዚ መዝገብ እዚ፡ ብዙሕ መዳያት እዩ ዜጠቓልል።
ናይ ሓቂ ትምህርቲ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ይህበሉ እዩ፦ ስም ኣምላኽ መን እዩ፧ (መዝሙር 83:18፡ NW) ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ (መዝሙር 146:3, 4) ስለምንታይ ኢና እንነብር ዘለና፧ (ዘፍጥረት 1:26-28፣ መዝሙር 115:16) ናይዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ መልሲ ንምርካብ ክንደይ ምኸፈልካ፧
ጥበባዊ ምኽሪ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ይሕብረና እዩ። ዕዉት ሓዳር ኪህልወካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ኤፌሶን 5:28, 29, 33) ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ከተዕቢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ዘዳግም 6:5-7፣ ኤፌሶን 6:4) ኣብ ህይወትካ ሕጉስ ክትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ማቴዎስ 5:3፣ ሉቃስ 11:28) ብዛዕባ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጉዳያት ዜተኣማምን ምኽሪ ንምርካብ ክንደይ ምኸፈልካ፧
ንባህርያት ኣምላኽ ንፈልጦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ቅኑዕ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ኣምላኽ ከመይ ይመስል፧ (ዮሃንስ 1:18፣ 4:24) ብዛዕባና ይግደስ ድዩ፧ (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ገለ ኻብቲ ዜደንቕ ባህርያቱ እንታይ እዩ፧ (ዘጸኣት 34:6, 7፣ 1 ዮሃንስ 4:8) ብዛዕባ ፈጣሪና ዚገልጽ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ክንደይ ምኸፈልካ፧
“ምፍላጥ ኣምላኽ” ብሓቂ ኽቡር መንፈሳዊ መዝገብ እዩ። ብኸመይ ኢኻ ግና ኽትረኽቦ እትኽእል፧ ሰሎሞን ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 2 ቝጽሪ 4፡ ነዚ ፍልጠት እዚ ምስ “ሕቡእ መዝገብ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሕቡእ መዝገብ ካብቲ እተቐመጠሉ ቦታ ባዕሉ ወጺኡ፡ ኣብ ኢድ ሓደ ሃካይ ሰብ ኣይኣቱን እዩ። እወ፡ ሕቡእ መዝገብ ምርካብ፡ ጻዕሪ የድልዮ እዩ። ምፍላጥ ኣምላኽ እውን ከምኡ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እዩ ተቐቢሩ ዘሎ። ንዕኡ ንምርካብ ከኣ፡ ክንጽዕር ኣሎና።
ሰሎሞን፡ “ምፍላጥ ኣምላኽ” ንምርካብ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ገሊጹ ነይሩ እዩ። እተን “ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ” ኸምኡውን ‘ልብኻ እንተ ኣድነንካ’ ዚብላ ቓላት፡ ተቐባሊ ልቢ ኺህልወና ኸም ዘለዎ እየን ዚሕብራ። (ቍጽሪ 1, 2) እተን “እንተ ጸዋዕካያ፡” “እንተ ደሌኻያ፡” “ሃለው እንተ በልካያ” ዚብላ ቓላት ከኣ፡ ብምሉእ ነፍስና ኽንጽዕር ከም ዘሎና ዚሕብራ እየን። (ቍጽሪ 3, 4) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ መዝገብ ምእንቲ ኽንረኽቦ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃትን ብቕኑዕ ልብን ከነጽንዖ ኣሎና።—ሉቃስ 8:15።
ከምዚ ዓይነት ተበግሶ እንተ ወሲድና፡ የሆዋ ነቲ መዝገብ ንኽንረኽቦ ኺሕግዘና እዩ። ቍጽሪ 6፡ “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ” ትብል። ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። (ዮሃንስ 6:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14) ንቓል ኣምላኽ ብቕንዕና እንተ መርሚርናዮ፡ ን“ምፍላጥ ኣምላኽ፡” ማለት ነቲ ንህይወትና ኼሀብትማ ዚኽእል መዝገብ ክንረኽቦ ኢና።—ምሳሌ 2:10-21።a
ንጥቅምቲ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦
◼ ምሳሌ 1-21
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ እዮም። ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ካብቲ ኣብ ገጽ 4 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።