ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣድህብ። ሚያዝያን ግንቦትን:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። ሰነ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ (እንግሊዝኛ)።
◼ እቶም ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ ሕጂ መደብ ክገብሩን ቀልጢፎም ድማ መሕተቲ ቅጥዒ ክመልኡን ኣለዎም። እዚ ነቶም ሽማግለታት ዘድሊ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ክገብሩ: እኹል መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ክቕርቡ ይሕግዞም ኢዩ። ኣስማት ናይቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ እተፈቕደሎም ኵሎም ነታ ጉባኤ ክንገር ኣለዎ።
◼ እቲ ኣቦ መንበር ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይነገር።
◼ ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ ዋጋ:- ንኣስፋሕቲ ብር 5.00: ንፓይነራት ብር 3.75። ናይታ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (ኣምሓርኛ: ልስሉስ ገበር ዘለዎ) ዋጋ:- ንኣስፋሕቲ ብር 7.50፣ ንፓይነራት ብር 6.00። ናይታ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ ፍሉይ ዋጋ (እንግሊዝኛ: ተሪር ገበር ዘለዎ: ንወፈራ ጥራይ):- ንኣስፋሕትን ንህዝብን ብር 7.50፣ ንፓይነራት ብር 6.00 (ምጕዳል ዋጋ በቲ ናይ ገንዘብ መልኣኺ ቅጥዒ S-20 ኣብ እተፈልየ መስመር “gtE ወፈራ” ተባሂሉ ብምጽሓፍ ክሕተት ኣለዎ)።
◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ዓረብኛ:- ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ T-72 (እቲ ዝዓበየ ስም )፣ እንግሊዝኛ:- ናይ 1996 ኢንደክስ፣ ናይ 1998 ዓውደ ኣዋርሕ፣ ኣውድዮ ካሴት:- ሓጐስ ስድራቤት፣ ሲዲ:- “ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ”፣ ፈረንሳይኛ:- ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ናይ 1998 ዓውደ ኣዋርሕ፣ ጣልያንኛ:- ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ብቕዓት፣ ስጳኛ:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ፣ ኢንሳይት።
◼ ሓድሽ ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- ኣምሓርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት . . . ምምርማር 1998፣ እንግሊዝኛ:- ኣውድዮ ካሴት:- “ዋይ ሪስፐክት ቲኦክራቲክ ኣረንጅመንትስ፧ ”፣ ቪድዮ ካሴት:- “ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም አገይንስት ናዚ ኣሶልት ”፣ “ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዩር ላይፍ ” (3ይቲ ክፍሊ)፣ ቋንቋ ፖርቱጋል:- ብቕዓት፣ ትግርኛ:- ቅዱሳት ጽሑፋት . . . ምምርማር 1998።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ዓረብኛ:- ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ብቕዓት፣ ትራክትታት፣ እንግሊዝኛ:- ሓጐስ ስድራቤት፣ ፍልጠት፣ መጽሓፈይ፣ ራእይ፣ ንኣምላኽ ምድላይ፣ መንእሰያ ት ዝሓትዎ ሕቶታት፣ ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ፣ ኢንሳይት፣ ኣገልግሎትና፣ ኮንኮርዳንስ፣ መለኮታዊ ስም፣ ኣምላኽ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ “እንሆ: . . . እሕድሶ አለኹ ”፣ ዕላማ ህይወት፣ መሐበሪ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ (RBi8)፣ ናይ ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት (1991, 1992, 1993)፣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጥሙር ጥራዛት (1987, 1988, 1989, 1990, 1991, 1993)፣ ሶማልኛ:- ብምንባር ተሐጎሱ!።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- ዓረብኛ:- ኢዝ ዚስ ላይፍ፧፣ ፍልጠት፣ ትራክት:- ሮድ ቱ ፓራዳይዝ፣ እንግሊዝኛ:- ቪድዮ ካሴታት:- ጂሆቫስ ዊትነስስ ዘ ኦርጋናይዘሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም፣ ፈረንሳይኛ:- ንኣምላኽ ምድላይ፣ ብቕዓት፣ ትግርኛ:- ፍልጠት።