ሕቶ ሳጹን
◼ ነቲ ኣብ ብሩክሊንን ፓተርሰንን ዎልኪልን: ኒው ዮርክ ዝርከብ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከብ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ዘሎ ናይ ማሕበር ህንጻታት ክንበጽሕ ከለና: ንኽዳንናን ንዅለንትናዊ ኣቃውማናን ዝምልከት ፍሉይ ቈላሕታ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
ክርስትያናት ግቡእ ኣቃውማ ክዕቅቡ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ክዳንናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ኵሉ ግዜ ነቲ ብቑዓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘብል ስርዓትን ክብረትን ከንጸባርቕ ኣለዎ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ኒው ዮርክን ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከብ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈትን ዘሎ ናይ ማሕበር ህንጻታት ክንበጽሕ ከለና ብፍላይ ሓቂ ኢዩ።
ኣብ 1998 ኣውራጃውን ኣህጕራውን ኣኼባታት ክካየድ ኢዩ። ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣሕዋትና ድማ ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ናይ ማሕበር ቤት ጽሕፈት ከምኡውን ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ክበጽሑ ኢዮም። ነዚ ህንጻታት እዚ ክንበጽሖ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ግዜ እውን እንተዀነ: ንግቡእ ክዳንናን ኵለንተናዊ ኣቃውማናን ሓዊስካ: “ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና [ከነርኢ]” የድልየና ኢዩ።—2 ቈረ. 6:3, 4
እታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ንግቡእ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ክትዛረበሉ ኸላ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክንካፈልን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ከለናን: ናይ ኣካላዊ ጽሬትን ሕንኪ ዘለዎ ክዳንን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ዘለዎ ኣድላይነት ሓሳብ ትህብ። ቀጺላ ድማ ኣብ ገጽ 131 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ናይ ቤትኤል መንበሪ ወይ ንዝዀነ ይኹን ናይ ማሕበር ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ክንበጽሕ ከለና: እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ተግባር ዝውዕል ኢዩ። ቤትኤል: ‘ቤት ኣምላኽ’ ማለት ምዃኑ ኣይትረስዕ: ስለዚ ድማ ብኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ጠባይናን ዝመጸ: ከምቲ ንኣምልኾ ብምባል ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ክንካፈል ከለና ትጽቢት ዝግበረልና ኣቕዋም ሓደ ክኸውን ኣለዎ።” እቶም ንኣባላት ስድራ ቤትኤል ክርእይዎምን ክረኽቡዎምን ነቲ ናይ ጨንፈር ህንጻታት ክበጽሑን ካብቲ ከባቢ ይኹን ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ዝመጹ ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነዚ ክብ ዝበለ መዐቀኒ እዚ ከስተብህልሉ ኣለዎም።
ክዳውንትና ንኻልኦት ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ዝምልከት ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕድረሎም ክኸውን ኣሎዎ። ይኹን እምበር: ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ናይ ማሕበር ህንጻታት ክበጽሑ ከለዉ: ኣዝዩ ቅጥዒ ዘይብሉ ክዳን ናይ ምኽዳን ዝንባለ ኣርእዮም ኢዮም። ንዝዀነ ይኹን ናይ ቤትኤል መንበሪ ክንበጽሕ ከለና: ከምዚ ዝኣመሰለ ክዳን ምኽዳን ግቡእ ኣይኰነን። በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ: ከምቲ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ክርስትያናዊ ህይወትና እነርእዮ: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ብምግባር ነቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዓለም ፍሉያት ዝገብሮም ተመሳሳሊ ልዑል መዐቀኒታት ከነማዕብል ንብህግ ኢና። (ሮሜ. 12:2፣ 1 ቈረ. 10:31) ነቶም ንመጀመርታ ግዜ ቤትኤል ዝበጽሑ ዘለዉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስናን ካልኦትን ክንዛረቦምን ብግቡእ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ዝመጸ ድማ ቈላሕታ ናይ ምግባር ኣድላይነት ከነዘኻኽሮም ሰናይ ኢዩ።
ስለዚ ነቲ ናይ ማሕበር ህንጻታት ክትበጽሕ ከለኻ: ‘ኣከዳድናይን ኵለንትናዊ ኣቃውማይን ሕንኪ ዘለዎ ድዩ፧’ (ምስ ሚክያስ 6:8 ኣረኣእዮ።) ‘ነቲ ኣነ ዘምልኾ ኣምላኽ ጽቡቕ ገይሩ ዘንጸባርቕ ድዩ፧ ኣካላዊ ትርኢተይከ ካልኦት ኣቓልቦኦም ከም ዝስሓብ ወይ ድማ ከም ዝጕድኡ ዝገብር ደዩ፧ ነቶም ንመጀመርታ ግዜ ዝበጽሑ ዘለዉ ካልኦት ሰባትከ ጽቡቕ ኣብነትዶ ኢየ ዝገድፈሎም ዘሎኹ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ብኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ኵሉ ግዜ ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ብዅሉ እንስልሞ’ ይግበረና።—ቲቶ. 2:10