ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንሰነ
1 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 223
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ቲኦክራሲያዊ ዜና።
15 ደቒቕ:- “‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳለና’።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 15 ለካቲት 1989 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 22-24 ሓጺር ሓሳባት ሃብ።
22 ደቒቕ:- “ነቲ ብስራት ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ምስባኹ።” እቲ ነዛ ክፍሊ እዚኣ ዘቕርብ ሓው ኣብ ቍጽሪ 1 ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ምስ ሃበ: ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ቍጽርታት ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ይመያየጠሉ። ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ኣቀራርባታት ዝጐልሐ ሓሳባት ይዘራረበሉ: እዚ ወይ ተመሳሳሊ ኣቀራርባታት ኣብቲ ዞብኦም ስለምንታይ ኣስላጢ ከም ዝኸውን ድማ ሓሳባት ይህበሉ። እቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ኣቀራርባታት በብተራ ይለማመድሉ። እቲ ነታ ክፍሊ ዘቕርብ ሓው ይንእዶም: ዝያዳ ኣስላጢ ንምግባሩ ድማ ሓሳባት ይህብ። ድሕርዚ ጽንዓታት ናይ ምጅማር ሸቶ ብኸመይ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ንሰማዕቲ ይሓቶም። ቀስ እናበልካ ብመጽሓፍ ፍልጠት ብኸመይ ጽንዓት ከም ዝጅመር ፍሉይ ሓሳባት ይህብ።
መዝሙር 112ን መዕጸዊ ጸሎትን
8 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 209
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- “ንንብረት ጐይታ ምሕላይ”። ነቲ ኣብቲ እታው ዘሎ ሓበሬታ ብምሽፋን ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- “እቲ ዕዮ ንኽፍጸም ናይ ኵላትና ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ።” ሕቶን መልስን። ሽማግለታት ኣድለይቲ ነገራት ንምፍጻም ኣብ ሓያሎ ወለንተኛታት ዝምርኰስሉ ምኽንያት ግለጽ። ነታ ጉባኤ ዘድልያ ከም ምጽራይን ምዕራይን ኣደራሽ መንግስቲ: ንዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ምሕጋዝ: ከምኡውን ምሽፋን ዞባ ዝኣመሰለ ነገራት ተመያየጠሉ። ነቲ ሓያሎ ኣስፋሕቲ ብፍታው ዝህብዎ ሓገዝ ብኸመይ ከም ዘማስውሉ ሓሳባት ንኽህቡ ሽማግለታት ዓድም። ጻዕሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝድለ ኣጕልሕ።
መዝሙር 153ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
17 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ: ወይ ድማ ዝሒለ ድየ፧ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-19 ካብ ቍጽሪ 14-16 እተመርኰሰ ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። እቶም ንዓመታት ዝኣክል ንጡፋት ዝነበሩ ነቲ ናይ ኣገልግሎቶም ዓይነትን መጠንን ክሓስብሉ ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- “ኣበርቲዕኩም ተጋደሉ።” ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-14 እተመርኰሰ ዝርርብ። ካብ 1 መስከረም ኣትሒዝካ ንምጅማር ምምዝጋብ ከም ዝከኣል ብምትብባዕ: ነቲ ኣድላይነት ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት ተመያየጠሉ።
መዝሙር 170ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 61
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ተመርሚሩ ምስ ተወድአ ግለጽ።
15 ደቒቕ:- ምብጽጻሕ መጽሔት ብኸመይ ከም ዝጅመር። እንታይ ከም ዝድለ ግለጽ:- ንዅሉ እቲ እተበርከተ ጽሑፋት መዝግቦ: ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ተመለስ: እቲ ተገዳስነት ህያው ኰይኑ ከም ዝቕጽል ንምግባር ካብቲ እዋናዊ ጽሑፋት ሓደስቲ ሓሳባት ኣቕርብ። ምብጽጻሕ መጽሔት ጐረባብቲ: መሳርሕቲ: ሰብ ድኳናት: ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ከም ዘጠቓልል ሓሳባት ሃብ። እቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ኵንትራት ክኣትዉ ዓድሞም። ብዛዕባ ምብጽጻሕ መጽሔታት ሃናጺ ዝዀነ ተመክሮ ክነግሩ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ዓድም።
20 ደቒቕ:- ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ሓግዙ። ፓይነራት ንኻልኦት ብብሕቶም ንኽሕግዙ እተገብረ ምድላው ብምትንታን: ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብ። ናይ ምሕጋዝ መደባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብኸመይ ከም እተጀመረ ግለጽ። ( jv ገጽ 100 እንግሊዝኛ፣ km 7/79 ገጽ 1, 3 እንግሊዝኛ) እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት እተጠምቁ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት ምልምማድ የድልዮም ኢዩ። እቲ “ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ” ዝብል መደብ ነቶም ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተኻፈሉ ስርዓታውያንን ፍሉያትን ፓይነራት ንተመክሮኦምን ምልምማዶምን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝጠቅም ኢዩ። እቲ ሸቶ ነፍሲ ወከፍ ፓይነር ኣብ ዓመት ክልተ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ክኢላታት ንኽዀኑን ንዝዓበየ ተሳታፍነት ንኽመጣጠሩን ምሕጋዝ ኢዩ። እቶም ዝሕግዙ ሰባት ክጭነቑ የብሎምን፣ እቲ ብዝያዳ ዝትኰረሉ ነገር ፍቕራውን ሕያውነታውን ምትብባዕ ምሃብ ኢዩ። እዚ ሓድሽ መደብ እዚ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣስፋሕቲ ዝያዳ ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ንኽዀኑ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ።
መዝሙር 207ን መዕጸዊ ጸሎትን