ቲኦክራሲያዊ ዜና
◼ ኢትዮጵያ:- ኣብ ኣረካ: ጎንደር: ሆሳእና: ከምኡውን ነገሌ ኣርሲ ሓደስቲ ጉባኤታት ቈይመን ኣለዋ።
◼ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብ ደሴታት ዝርከባ ሓያሎ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ጥሪ ሓለፍ ዝበለ ናይ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ሃባ። ገለ ካብዚኣተን ዶመኒካን ሪፓብሊክ: ሃይቲ: ማርተኒክ: ማውርሸስ: ፊሊፕንስ: ታይዋን: ከምኡውን ትሪኒዳድ ነበራ።
◼ ኣብ ሲሸልስ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ገምጋም 18 ካብ ሚእቲ ወሰኽ ነበረ: ኣብ ሰይንት ማርተን እተገብረ ወሰኽ ድማ 16 ካብ ሚእቲ ነበረ።
◼ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብገምጋም 12.7 ሰዓታት ኣገልገሉ።
◼ እቲ ኣብ ታይዋን ቀልጢፉ ብምህናጹ ቀዳማይ ዝዀነ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ለካቲት ተዛዘመ።