ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥሪ
4 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 36
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ብግቡእ ተጠቐሙሎም።” ሕቶን መልስን። ኣብ መኽዘን እታ ጉባኤ ዘለዉ ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ጥቐስ። ገለ ኣገደስቲ መዳያት ናይቲ መጻሕፍትን: ንኻልኦት ብኸመይ ከም እነቕርቦን ግለጽ። ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን ኣብ ዝግበር ግራት ኣገልግሎትን ናይ እግረ -መገዲ ምስክርነትን ክካፈሉ ከለዉ ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ከበርክቱ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ሓደ ሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ እውን ብመርኣያ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- ብዘይ ደም ንዝግበር ሕክምና ሕጋዊ ምርጫ ምግባር። (ግብ. 15:28, 29) ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ኣብ ናይ ሕዳር 1990 ከምኡውን መስከረም 1992 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) እታው ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ። ድሕሪ እዚ ኣኼባ እዚ ነቶም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ሓድሽ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክዋሃቦም ኢዩ። እቶም ዘይተጠምቁ ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለውዎም ድማ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝኸውን ናይ መንነት ካርድ ክቕበሉ ኢዮም። እዚ ካርድ እዚ ሎሚ ምሸት ኣይኰነን ዝምላእ። ኣብ ገዛ ብጥንቃቐ ክምልኡ ኣለዎም: ክፍረመሎም ግን የብሉን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ናይቲ ካርድታት ድሕሪ እታ ቐጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ናይቲ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ኢዩ ዝምላእ። ክታም ቅድሚ ምንባርኩም እቲ ካርድ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ እቲ ወናኒ ናይቲ ሰነድ ክፍርም ከሎ ክርእይዎ ኣለዎም። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካብዚ ካርድ እዚ ሓሳባት ብምውሳድ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታትን ምርዳእን ብምስምማዕ: ንገዛእ ርእሶምን ደቆምን ዝኸውን መምርሒ ክጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኵሎም እቶም ኣብ ጕጅለኦም ዝርከቡ ኣሕዋት ነቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ኣብ ምምላእ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ምእንቲ ኸረጋግጹ ኣብ ወረቐት ክምዝግብዎም ኣለዎም።
መዝሙር 61ን መዕጸዊ ጸሎትን
11 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 88
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
20 ደቒቕ:- “ናይ የሆዋ መገዲ ህይወት ንምስዓብ ዘውጻእናዮ ናይ ኣቕዋም መግለጺ።” ብመልክዕ ዝርርብ ዝወሃብ። ኵሎም ኣብቲ ሓሙሽተ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ክካፈሉ ኣተባብዕ።
15 ደቒቕ:- “ተዓገሱ።” ኣብ መንጎ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝግበር ምይይጥ። ኣብ ኣገልግሎት ብዝበለጸ ትዕግስቲ ከርእይሉ ዝኽእሉ መገዲ ይዘራረቡ። ካብ ናይ 15 ሰነ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 12 ዘሎ ዝሰማማዕ ሓሳብ ወስኽ።
መዝሙር 135ን መዕጸዊ ጸሎትን
18 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 169
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “መሪሕነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ—መራሕቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ።” ብሓደ ኣብነታውን ሓላፍነታቱ ዝርዳእን መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝወሃብ ዝርርብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ንመንፈሳዊ ዕቤትን ድሕንነትን ናይታ ጉባኤ ብኸመይ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ይገልጽ። ካብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 43-5, 74-6 ኣድለይቲ ሓሳባት ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ገይርካ ጽንዓት ምጅማር።” ብሕቶን መልስን ዝውሰድ።
መዝሙር 197ን መዕጸዊ ጸሎትን
25 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 201
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ኣብቲ ካብ ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት እተገብረ ለውጢ።” ብሽማግለ ዝወሃብ ዝርርብ። ነቶም ናይታ ጉባኤ ፓይነራት ንኣዶም: ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ኸኣ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ተወሳኺ ንጥፈታት ክገብሩ ብምሕሳብ ስርዓታውያንን ሓገዝትን ፓይነራት ክዀኑ ኣተባብዓዮም። ካብ ናይ ለካቲት 1997 ከምኡውን ሓምለ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ሓሳባት ወስኽ።
20 ደቒቕ:- ንቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ-መዓልቲ ትምርምርዎዶ ኣለኹም፧ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ማሕበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ -መዓልቲ ምምርማር እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ተዳልወልና ኢያ። ብብሕትኹም ወይ ምስ ስድራቤትኩም ኴንኩም ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ብጽቡቕ ትጥቀሙላዶ ኣለኹም፧ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ጥቕሲ ምንባብ ስለምንታይ ጠቓሚ ከም ዝዀነ ግለጽ። ካብ መቕድም ናይታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ -መዓልቲ ምምርማር—1999 ኣብ ገጽ 3-4 ዘሎ ሓሳብ ተመያየጠሉ። ነቶም ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ወይ ምስ ስድራቤቶም ኰይኖም ነቲ ዕለት ጥቕስን ሓሳባቱን ንምንባብ ዝገብርዎ ፍሉይ ጻዕሪ ክገልጹ ዓድሞም።
መዝሙር 225ን መዕጸዊ ጸሎትን