ስብከት ፍሉያት ይገብረና
1 ብዙሓት ሰባት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉያት ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧” ኢሎም ይሓቱ ኢዮም። እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትና ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: እቲ እንገብሮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ክሳዕ ክንደይ ፍሉያት ከም ዝገብረና ንምግላጽ እውን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20
2 ሎሚ እምነቶም ንኻልኦት ንምክፋል ዝድረኹ ሃይማኖታውያን ሰባት ውሑዳት ኢዮም። ንሕጊ ቄሳር ምእዛዝ: ብስነ-ምግባር ጽፉፍ ናብራ ምምራሕ: ወይ ንኻልኦት ሰናይ ነገር ምግባር እኹል ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድሕነት ዝብሎ ነገር ካልኦት ንኽፈልጡ ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ብኸመይ ኢና ካብኦም ፍሉያት እንኸውን፧
3 እቲ ቅንኢ ዝመልኦ ኣገልግሎትና ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ንጥፈታት ክነጻጸር ከሎ ዓቢ ፍልልይ ዘምጽእ ኢዩ። ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብምቕዳሕ ንልዕሊ 100 ዓመታት ነቲ ብስራት ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብትግሃት ሰቢኾም ኢዮም። እዚ እንገብረሉ ዕላማ ኸኣ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዖም ንኽነብሩ ምእንቲ ክንሕግዞም ኢዩ።—1 ጢሞ. 2:4፣ 2 ጴጥ. 3:9
4 ኣብ ካልኦት እንታይ ስም ኢዩ ዘሎካ፧ ከም ቀናእ ሰባኺ ናይ ቃል ኣምላኽ ዲኻ እትፍለጥ፧ (ግብ. 17:2, 3፣ 18:25) ጐረባብትኻ ብምኽንያት እቲ እትገብሮ ዕዮ ስብከት ኣብ መንጎ ሃይማኖቶምን ሃይማኖትካን ዘሎ ፍልልይ ይረኣዮምዶ፧ ከም ሓደ ተስፍኡ ንኻልኦት ንምክፋል ህንጡይ ዝዀነ ሰብ ዲኻ እትፍለጥ፧ ኣብ ኣገልግሎት እትካፈለሉ ስርዓታዊ መደብ ኣሎካዶ፧ ካብ ካልኦት ፍሉያት ዝገብረና እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ስም ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ስም ዝገልጾ ነገር ብምግባርና ማለት ብዛዕባ የሆዋ ብምምስካርና እውን ምዃኑ ኣይትረስዕ።—ኢሳ. 43:10
5 ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንካፈል ይድርኸና ኢዩ። (ማቴ. 22:37-39) ስለዚ ኸኣ ኢና: ከም የሱስን ጳውሎስን ንዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ንምክፋል ክንጥቀመሉ እንደሊ። ነቶም ክሰምዑ ዝደልዩ ሰባት: ነቲ ብስራት ከየባተኽና ብቕንኢ እንሰብከሎም ይግበረና። ከምዚ ብምግባርና እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ‘ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዝግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ንኽርእዩ’ ይሕግዞም ኢዩ።—ሚል. 3:18