ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/99 ገጽ 1
  • ስብከት ፍሉያት ይገብረና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስብከት ፍሉያት ይገብረና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንሰናይ ግብሪ ትቐንእ’ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ብቕንኣት ብምስባኽ፡ ንየሱስ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንኣገልግሎት ዘሎካ ቕንኣት ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 11/99 ገጽ 1

ስብከት ፍሉያት ይገብረና

1 ብዙሓት ሰባት “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉያት ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧” ኢሎም ይሓቱ ኢዮም። እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትና ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: እቲ እንገብሮ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ክሳዕ ክንደይ ፍሉያት ከም ዝገብረና ንምግላጽ እውን ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧​—⁠ማቴ. 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20

2 ሎሚ እምነቶም ንኻልኦት ንምክፋል ዝድረኹ ሃይማኖታውያን ሰባት ውሑዳት ኢዮም። ንሕጊ ቄሳር ምእዛዝ: ብስነ⁠-​ምግባር ጽፉፍ ናብራ ምምራሕ: ወይ ንኻልኦት ሰናይ ነገር ምግባር እኹል ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድሕነት ዝብሎ ነገር ካልኦት ንኽፈልጡ ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ብኸመይ ኢና ካብኦም ፍሉያት እንኸውን፧

3 እቲ ቅንኢ ዝመልኦ ኣገልግሎትና ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ንጥፈታት ክነጻጸር ከሎ ዓቢ ፍልልይ ዘምጽእ ኢዩ። ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብምቕዳሕ ንልዕሊ 100 ዓመታት ነቲ ብስራት ክሳዕ ወሰን ምድሪ ብትግሃት ሰቢ​ኾም ኢዮም። እዚ እንገብረሉ ዕላማ ኸኣ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዖም ንኽነብሩ ምእንቲ ክንሕግዞም ኢዩ።​—⁠1 ጢሞ. 2:⁠4፣ 2 ጴጥ. 3:⁠9

4 ኣብ ካልኦት እንታይ ስም ኢዩ ዘሎካ፧ ከም ቀናእ ሰባኺ ናይ ቃል ኣምላኽ ዲኻ እትፍለጥ፧ (ግብ. 17:⁠2, 3፣ 18:⁠25) ጐረባብትኻ ብምኽንያት እቲ እትገብሮ ዕዮ ስብከት ኣብ መንጎ ሃይማኖቶምን ሃይማኖትካን ዘሎ ፍልልይ ይረኣዮምዶ፧ ከም ሓደ ተስፍኡ ንኻልኦት ንምክፋል ህንጡይ ዝዀነ ሰብ ዲኻ እትፍለጥ፧ ኣብ ኣገልግሎት እትካፈለሉ ስርዓታዊ መደብ ኣሎካዶ፧ ካብ ካልኦት ፍሉያት ዝገብረና እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ስም ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ስም ዝገልጾ ነገር ብምግባርና ማለት ብዛዕባ የሆዋ ብምምስካርና እውን ምዃኑ ኣይትረስዕ።​—⁠ኢሳ. 43:⁠10

5 ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘሎና ፍቕሪ ኣብ ዕዮ ስብከት ንኽንካፈል ይድርኸና ኢዩ። (ማቴ. 22:⁠37-39) ስለዚ ኸኣ ኢና: ከም የሱስን ጳውሎስን ንዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንኻልኦት ንምክፋል ክንጥቀመሉ እንደሊ። ነቶም ክሰምዑ ዝደልዩ ሰባት: ነቲ ብስራት ከየባተኽና ብቕንኢ እንሰብከሎም ይግበረና። ከምዚ ብምግባርና እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ‘ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዝግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ንኽርእዩ’ ይሕግዞም ኢዩ።​—⁠ሚል. 3:⁠18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ