ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብር ፍቓደኛ ክኸውን ዝኽእል መን ኢዩ፧
1 ነብዪ ኣሞጽ ኣብ ምድሪ እስራኤል ጥሜት ከም ዝኸውን: እዚ ኸኣ ‘ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት ንእንጌራን ጽምኢ ማይን ከም ዘይኰነ’ ኣወጀ። (ኣሞ. 8:11) ማሕበር የሆዋ ነቶም ብመንፈሳዊ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ሰባት ንምጥቃም ኢላ ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ትዝርግሕ ኣላ።
2 ክሳዕ ሕጂ: 70 ሚልዮን ዝኸውን መጽሓፍ ፍልጠት ከምኡውን 91 ሚልዮን ዝኸውን ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ሓቲምና ኣሎና። እዘን ጽሑፋት እዚኣተን ሓቂ ንምምሃር ቀለልትን ኣሳልጦ ዘለወንን ብምዃነን ንሕጐስ ኢና። ይኹን እምበር: ብዙሓት ጽሑፋትና እተቐበሉ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ኣየጽንዑን ኢዮም ዘለዉ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
3 ጽሑፍ እተቐበለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጽንዓት ክኸውን ይኽእል ኢዩ! እዚ ተመክሮ ናይ ሓደ ኣስፋሒ እሞ ሕስብ ኣብሎ፣ ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ቤታ ከይዱ ንፈለማ ግዜ ምስ ኣዘራረባ ጽንዓት ክትገብር ዓደማ። ብኡንብኡ ነቲ ዕድመ ተቐበለቶ። ደሓር “ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ዕድመ ዘቕረበለይ ናይ መጀመርታ ሰብ ንስኻ ኢኻ” በለቶ። ኣብ ዞባኻ ጽሑፋትና ካብ ዝበጽሖም ሰባት ክንደይ ዝዀኑ ከምዚ ክብሉ ምኸኣሉ፧ ነፍሲ ወከፍ እተበርከተ ጽሑፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብር ከምኡውን ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሕ ኣጋጣሚ ይኸፍት ኢዩ።
4 ብዙሕ ግዜ ጽሑፋትና ዘለዎም ሰባት ስለ ዘጋጥሙና: እቲ ጽሑፋትና ሒዝዎ ዘሎ ነገራት ንኽማሃሩ ብኸመይ ተገዳስነቶም ከነለዓዕል ንኽእል፧ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ በዓልቲ ቤት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ሕቶታት እንተድኣ ኣለዋ ኰይኑ ብቐጥታ ሓተተታ: እታ ሰበይቲ ግን “የብለይን” በለት። እታ ሓብቲ “ብርግጽ ገለ ሕቶታትሲ ኣሎኪ” ብምባል ደጊማ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ሕቶ ነበራ: እዚ ድማ ናብ ጽንዓት መርሐ። ነቲ በዓል ቤት ብዛዕባ ዘተሓሳስቦ ሕቶ ወይ ጕዳይ ዝምልከት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ንኽማሃር ንምንታይ ዘይትሓቶ፧ እቲ በዓል ቤት ሕቶ ክሓትት እንተ ዘይክኢሉ: ተገዳስነት ዘለዓዕል ሕቶ ንኽትሓቶ ተዳሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ: ብዛዕባ መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ጽንዓት ናብ ምግባር ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።
5 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ሕመረት ናይ ኣገልግሎትና ኢዩ። መን ጽንዓት ክግበረሉ ፍቓደኛ ከም ዝኸውን ስለ ዘይንፈልጥ: ንዝረኸብናዮ ሰብ ንምዕዳም ኣይንወላወል። ነቲ ጕዳይ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣቕርቦ: ምስቲ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ኸኣ ዕየ። ብዙሕ ከይጸናሕካ ጽንዓት ክገብር ዝዓደምካዮ ሰብ ኣወንታዊ መልሲ ይህብ ይኸውን!—1 ዮሃ. 5:14, 15