ሰበኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ መምህራን ክንከውን ይግብኣና
1 “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ብቓሉ ንምድሪ ብምስክርነቶም መሊኦምዋ ኢዮም” ዝብል ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ግን ብኸመይ ኢዩ፧ ብሰብኣዊ ክእለት ወይ ሓይሊ ዘይኰነስ: ብመንፈስ ኣምላኽ ኢዩ። ኣገልገልቱ ነቲ ናይ ስብከትን ናይ ምምሃርን መዝነቶም ንምፍጻም እተፈላለየ ምድላዋት ክጥቀሙ ኸለዉ መንፈስ ኣምላኽ ኣብኣቶም ይዓዪ ኢዩ።—ዘካ. 4:6፣ ግብ. 1:8
2 እቲ ዝሕተም ጽሑፋት ነቲ ናይ ስብከት ዕዮና ንምፍጻም ዝሕግዝ ኣስላጢ መገዲ ኢዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት: ኣብ ምእዋጅ ናይቲ ብስራት መንግስቲ ምእንቲ ኽሕግዝ ብቢልዮናት ዝቝጸር መጻሕፍቲ: ንኣሽቱ መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: መጽሔታትን ትራክትታትን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓቲሙን ተዘርጊሑን ኢዩ። ጽሑፋት ምሕታም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ኣብ ጸብጻባት ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ ) ተራእዩ ኢዩ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ብ91 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዝሕተም ቍጽሪ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ኣብ ሓደ ዓመት ብ7.1 ካብ ሚእቲ ወሰኸ። ኣብ ጀርመን እውን ምሕታም መጽሔታት ብ35 ካብ ሚእቲ ወሲኹ ኣሎ። ካብቲ ኣብኡ ዝሕተም መጽሔታት ልዕሊ ሲሶ ዝኸውን ብቛንቋ ሩስያ ኢዩ ዝዳሎ።
3 ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ነቲ ሰባት ኣብ እተረኽብሉ ዝዀነ ይኹን ቦታታት ንምምስካር እተዋህበና ምትብባዕ ኣብ ብዘላ ዓለም ሓለፍ ዝበለ ምላሽ ይዋሃቦ ኣሎ። መብዛሕትና ነቲ ናይ ምስክርነት ዕዮና ኣብ ህዝባዊ ቦታታት: ኣብ መገድን ኣብ ናይ ስራሕ ዞባን ከነስፍሖ ኸለና ነቶም ገለ ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ብዙሕ ዝቝጽሩ ጽሑፋት ይዕደሎም ኢዩ። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ቅድሚ ሕጂ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ ኣይነበሮምን። ነዚኣቶም ንምርካብ እውን: ጉባኤታት ኣብ ኵሉ መዳይ ኣገልግሎት ዝጥቀማሉ እተፈላለየ ጽሑፋት ኣለወን።
4 ጽሑፋት ክንዝርግሕ ከለና ሸቶና እንታይ ኢዩ፧ ሸቶና ጽሑፍ ምዕዳል ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነት ንኽልቲኡ ማለት ንናይ ምስባኽን ምምሃርን መዳይ ዘጠቓልል ኢዩ። ብመጀመርታ: እታ መንግስቲ እንኮ ተስፋ ወድሰብ ምዃና ከም ዝግንዘቡ ብምግባር ነቲ ብስራት መንግስቲ ናይ ምስባኽ መሰል ኣሎና። (ማቴ. 10:7፣ 24:14) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትና ተገዳስነት ንምልዕዓልን ናይታ መንግስቲ ፍልጠት ንኻልኦት ንምክፋልን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ውጽኢታውን ኣሳልጦ ዘለዎ መገዲ ምዃኑን ተራእዩ ኢዩ።
5 ብኻልኣይ ደረጃ ድማ: ደቀ መዛሙርቲ ከነፍሪ እንተድኣ ዄንና: ኵሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዘና ነገራት ክንምህር ኣለና። (ማቴ. 11:1፣ 28:19, 20) ብተወሳኺ: ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ብምሕጋዝ ሓቂ ኣብ ልቢ ተማሃሮ ንምስራጽ ጽሑፋት ኣገዳሲ ግደ ይፍጽም ኢዩ።
6 እቶም ጽሑፋት ዝቕበሉ ሰባት ‘ሰማዕቲ ቓል’ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: ካልእ ሰብ እንተ ዘይሓጊዝዎም ግን ገበርቲ ቓል ክዀኑ ዘይመስል ኢዩ። (ያእ. 1:22-25) ሰብ ከይሓገዞም ደቀ መዛሙርቲ ክዀኑ ዝኽእሉ የለዉን። (ግብ. 8:30, 31) ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ሓቂ ባዕሎም ንኸረጋግጽዎ ዝሕግዝ መምህር የድልዮም ኢዩ። (ግብ. 17:2, 3) ሸቶና ናብ ወፈያን ጥምቀትን ክበጽሑ ንምሕጋዝን ንኻልኦት ክምህሩ ኸኣ እኹል ብቕዓት ዘለዎም ክዀኑ ንምልምማድን ኢዩ።—2 ጢሞ. 2:2
7 እቲ ኣዝዩ ተደልዩ ዘሎ ተወሰኽቲ መምህራን ንምፍራይ ኢዩ:- ክንሰብኽ ከለና: ነቲ ብስራት ብግልጺ ኢና እንእውጅ። ይኹን እምበር: ምምሃር ንሓደ ሰብ ብቐጻሊ ምስልጣን ዘጠቓልል ኢዩ። ምስባኽ ካልኦት ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ንኽፈልጡ: ምምሃር ድማ ውልቀ-ሰባት ነቲ ብስራት ክቕበልዎን ስጕምቲ ንኽወስዱን ይሕግዝ። (ሉቃ. 8:15) ሓደ መምህር ካብ ምንጋር ንላዕሊ ኢዩ ዝገብር: ይገልጽ: ቅቡል ምኽንያት ብምቕራብ የረድእ: መረጋገጺ የቕርብ: የእምን ከአ።
8 ብዝከኣለና መጠን ኵልና ሰበኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ መምህራን ክንከውን ይግብኣና። (እብ. 5:12ሀ) ጽሑፋት ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ክፍሊ ዕዮና ኢዩ: ኣብቲ ናይ ዕዮና ካልኣይ ሸቶ ንምብጻሕ ግን ኣብቲ ከም መምህራን መጠን እንገብሮ ኣዝዩ እተመርኰሰ ኢዩ። ጽሑፍ ክንዕድል ብምኽኣልና ክንሕጐስ ንኽእል እኳ እንተዀንና: ኣገልግሎትና ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም ግን ምብርካት ከም ናይ መወዳእታ ሸቶና ገይርና ከንርእዮ የብልናን። (2 ጢሞ. 4:5) ጽሑፋት ምዕዳል ንኻልኦት ሓቂ ንምምሃር ኣጋጣሚ ንኽንረክብ ኣፍ ደገ ዝኸፍት ኣስላጢ መገዲ ኢዩ።
9 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ተመላሊስካ ምብጻሓት ግበር:- ኵላትና ብዝሕ ዝበለ መጻሕፍቲ: ብሮሹራትን መጽሔታትን ነበርክት: ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዝኸውን መዝገብ ከኣ ነዳሉ ንኸውን። ተመሊስና ተገዳስነት ንምልዕዓል ስርዓታዊ ግዜ ክንምድብ ኣሎና። እቲ ናይ ምምላስና ቀንዲ ዕላማ ተወሳኺ ጽሑፍ ንምዕዳል ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ድሮ ምስኦም ዘሎ ጽሑፍ ከንብብዎን ካብኡ ክጥቀሙን ንሰባት ንምትብባዕ ኢዩ። ሓደ ሰብ ርጡብ ፍልጠት ንኸነጥሪ ክሕግዘና ኢሉ እንተ ዘይመላለሰና ነይሩ ንሕና ክሳዕ ክንደይ መንፈሳዊ ዕቤት ምገበርና፧—ዮሃ. 17:3
10 በታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ወይ ድማ በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ተጠቒምካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ዝብል ኣረኣእያ ብምሓዝ ንዅሉ እቲ ተገዳስነት ተኸታተሎ። ክልቲአን እዘን ጽሑፋት እዚኣተን ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብቐሊሉ ክትርድኦ ብዝከኣል መገዲ ኢየን ዘቕርብኦ። እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሽፍን እተማልአ ትምህርቲ ኢያ እትህብ። መጽሓፍ ፍልጠት ድማ ሓደ ሰብ ንሓቂ ካብዚ ስፍሕ ብዝበለ ግናኸ ብቐሊልን ንጹርን ሓጺርን ገይሩ ንኽምህር እተኽእሎ ኢያ።
11 እቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ተገሊጹ ዘሎ ዝቐለለ ናይ ኣመሃህራ ፕሮግራም ነቲ መምህር ንኽምህር ነቲ ተማሃራይ ድማ ንኽማሃር ቀሊል ዝገብሮ ኢዩ። ኣስላጢ ዀይኑ ንእተረጋገጸ ናይ ኣማሃህራ ኣገባባትን ሜላታትን ምእንቲ ኽትደግሞ ቅዳሕ ናይታ እታው ብቐሊሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣቐምጦ። ገለ ካብቲ እትህቦ ሓሳባት ኣብቲ ተማሃራይ ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ብኸመይ ከም እነርኢ: ኣብ ሓደ ናይ መጽናዕቲ እዋን ክንደይ ዝኣክል ትምህርቲ ከም እንሽፍን: ነቲ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ዝዀነ ሕቶታት ብኸመይ ከም እንምልሰሉ: ክልቲኦም ማለት እቲ መምህርን እቲ ተማሃራይን ቅድሚ እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ከም ዝዳለዉ: ከምኡውን ነቲ ተማሃራይ ብኸመይ ናብ ማሕበር የሆዋ ገጽና ከም እነቃንዖ ዘጠቓልል ኢዩ። ኵላትና: ሓደስቲ እውን ከይተረፉ: ነዚ ሓሳባት እዚ ብምስዓብ እናዓበዩ ዝኸዱ ጽንዓታት ክንመርሕ ክንክእል ኢና።
12 ኣብቲ ግራት ጽቡቕ ዓወት ከም እተረኽበ ዝገልጽ ጸብጻባት:- እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን መጽሓፍ ፍልጠትን ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መስርሕ ኣብ ምቅልጣፍ ጠቐምቲ ሓገዛት ምዃነን ተረጋጊጹ ኢዩ። ሓደ ኣብ ቦሊቭያ ዝርከብ ሓው ነዛ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምስ ተቐበላ: ንሓደ ሰብኣይ ጽንዓት ክጅምረሉ ቀልጢፉ ተጠቕመላ። እቲ ተማሃራይ ኣርባዕተ ወርሒ ጸኒሑ: ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ሓደ ካብቶም ሕጕሳት ናይ ጥምቀት ሕጹያት ነበረ።
13 ብዙሓት ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሮም ጽንዓቶም ምስ ወድኡ ህይወቶም ንየሆዋ ክውፍዩ ተደሪኾም ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ኣንጎላ ዘላ ጉባኤ: ኣብቲ ኸባቢ መጽሓፍ ፍልጠት ክዕየየላ ምስ ጀመረ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ: በቶም ኣስፋሕቲ ናይታ ጉባኤ ዝምራሕ ዝነበረ ቍጽሪ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 190 ናብ 260 ደየበ: ቍጽሪ ናይ ተኣከብቲ ድማ ካብ 180 ናብ 360 ክብ ብምባል ብዕጽፊ ወሰኸ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ካልእ ጉባኤ ምትካል ኣድላዪ ዀነ።
14 ሓደ ሓው ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይሩ ንመጀመርታ ግዜ ጽንዓት ምስ ጀመረ: “እቲ ዝመርሕ ብቐሊሉ ሕቶታት ዝሓትት እንተድኣ ኰይኑ: ገለ ዝሰማማዕ ጥቕስታት ዘንብብ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ ተማሃራይ ከም እተረድኦ ድማ ዘረጋግጽ እንተድኣ ኰይኑ” በታ መጽሓፍ እቲኣ ጌርካ ምምራሕ “ቀሊል” ኢዩ ብምባል ተዛረበ። ዝምዕብሉ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑ ኣዝዮም ብቝዓት ኣስፋሕቲ ጥራይ ምዃኖምን ንሱ ድማ ፈጺሙ ከም ዘይክእልን ኵሉ ግዜ ይሓስብ እኳ እንተ ነበረ: ደሓር ግን ንሱውን ከም ዝኽእል ተገንዘበ እሞ “ኣነ ዝኽእል እንተድኣ ዀይነ: ዝዀነ ሰብ ይኽእል ኢዩ” በለ።
15 ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ሸቶ እንፍጽም ከም ክፍሊ ኣገልግሎትና ገይርና ጽንዓታት ምስ እንመርሕ ኢዩ። እቶም ኣብዚ ናይ ኣገልግሎት መዳይ እዚ ንምክፋል ክእለት ዘማዕብሉ ሰባት ብሓቂ ዘዕግብን ብዙሕ ዓስቢ ዘሎዎን ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ንዓና እውን “መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ: ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ” ዝበሃለልና ይግበሮ።—ግብ. 28:31