ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/99 ገጽ 7-8
  • ናሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 12/99 ገጽ 7-8

ሕቶ ሳጹን

◼ ብዛዕባ እተን ኣብ ግዜ ቀብሪ ንምሕጋዝ ተባሂለን ብደቂ ዓዲ ወይ ብገዛውቲ ዝቘማ ማሕበራት ክህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ኣብ ግዜ ቀብሪ ዘድሊ ወጻኢ ምእንቲ ክሽፍነሎም መድሕን ይኣትዉ ኢዮም። ካልኦት ድማ ብወሃብቲ ስርሖም እተመደበሎም ገንዘብ ብሓባር የዋጽኡ። ኣብ ሃገርና ኸኣ ኣብ ሓደ ከባቢ ብዝነብሩ ሰባት ዝቘመ: ማሕበር ምትሕግጋዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህብ ኣሎ። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ንዅሉ እቲ ሓደ ኣባል ክገብሮ ዝሕተት ነገራት ክሓስበሉ ኣለዎ። ናይ ከምዚአን ዝኣመሰላ ማሕበራት ሕግታትን ኣቃውማን ምስ ዝርአ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ናይ ሓደ ዓዲ ወይ ሃይማኖታዊ ባህልታት እተኣሳሰረ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ምስ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቅን ስርዓታትን ዝጋጮ ኢዩ። (ያእ. 1:⁠27፣ ዮሃ. 17:⁠16፣ ቈሎ. 2:⁠8) እዘን ማሕበራት እዚኣተን ሓንቲ ካብታ ሓንቲ ዝፈላለያ እኳ እንተዀና: መብዛሕትአን ግን ኣብ ግዜ ቀብሪ ናይ እምነት ምትሕንፋጽ ዝረኣየለን ኢየን። ንኣብነት: ገለ ማሕበራት ምትሕግጋዝ እቲ መዋቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንኽወሃቦ ኢለን ኣብ ክንድኡ ኰይነን ይኸፍላሉ። ኣባል ናይ ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ማሕበራት ዝዀነ ሰብ: ኣስፋሒ ናይቲ “ብስራት” ክኸውን እንተድኣ ደልዩ ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:⁠14-17 ከምኡውን ራእይ 18:⁠4 ተጠቒሱ ዘሎ ትእዛዛት ከኽብር ከም ዝደሊ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ጥበበኛታት ኴንና ምእንቲ ክንመላለስ ብዛዕባ እተን ንሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዘይከፍላ ማሕበራት ምትሕግጋዝ እውን እንተዀነ ክንሓስበሉ ዘሎና ካልእ ነጥብታት ኣሎ። ኣብ ዝሓሸ ነገር ክውዕል ዝነበሮ ግዜ የጥፍኣ ኢየን። (ኤፌ. 5:⁠15, 16) ብተወሳኺውን: ኣባል ምዃን ማለት ምስ ዘይኣመንቲ ምሕባር ዝሓትት ኢዩ፣ እዚ ንመንፈሳውነትና የዳኽም: ንሕልናና ኸኣ ይጸልዎ ኢዩ። (1 ጴጥ. 3:⁠16፣ 1 ቈረ. 15:​33) መብዛሕትኡ ግዜ እዘን ማሕበር እዚኣተን ኣብ ሞት ኢየን ዘተኵራ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ ክህልወና ኢዩ ዝምህር። ስለዚ ኸኣ ኢየን ጉባኤታትና ናይ ገዛእ ርእሰን ናይ ቀብሪ ማሕበራት ዘየቝማ። (ሉቃ. 9:⁠60፣ 1 ተሰ. 4:⁠13፣ ማቴ. 22:⁠32) ኣባል ናይ ማሕበራት ምትሕግጋዝ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ማሕበር ዘይንዀነሉ ምኽንያት እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኢዩ።

ገለ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም ሰባት: ቀሊልን ክብሪ ዘለዎን ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ጥራይ ከም ዘድሊ ንኽርድኡ ክንሕግዞም ኣሎና። ካብቶም ኣባል ናይዘን ኣብ ግዜ ቀብሪ ዝድግፋ ማሕበራት ዘይኰኑ ኣብ ከባቢና ዝሞቱ ብኣማእታት ዝቝጸሩ እሙናት ኣምለኽቲ: ዋላ ሓደ እውን ይኹን ንቡር ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ዘይተገብረሉ የለን። እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘሎ ፍቕሪ እቲ ዝድለ ምድላዋት ንኽግበርን: ኣብ ገለ ግዜያት እውን ባዕሎም መቓብር ንኽዅዕቱን ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ንኽሰርሑን ደሪኽዎም ኢዩ። (1 ጴጥ. 2:⁠17) ጽቡቕ ምትሕብባር ብምግባር ብዙሕ ዋጋ ከውጽእ ዝነበሮ መግብን መጓዓዝያን ከም ዝተርፍ ተገይሩ ኢዩ። ገለ ስድራቤታት ነዚ ኣቐዲመን ብምሕሳብ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ብህጹጽ ዘድሊ ገንዘብ ኣዋህሊለን ኢየን። ገሊኦም ድማ ኣድላዪ ዘይኰነ ናይ ቤት ኣቕሑ ብምሻጥ ነቲ ዘድሊ ወጻኢታት ሸፊኖምዎ ኢዮም። አረ ኣብ ገሊኡስ ዳስ እውን ከይተተኽለ ዘድሊ ምጽንናዕን ጽቡቕ ምስክርነትን ብምሃብ ናይ ኣሕዋት ፍቕሪ ብግብሪ እተራእየሉ ኣጋጣሚ ነይሩ ኢዩ።

ነተን ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘጓነፈን ስድራቤታት: ብፍላይ ከኣ እቲ ኣባል ስድራቤቱ ዝሞቶ ሰብ እኹል ጥሪት ዘይብሉ እንተ ዀይኑ: እቶም ፈቃራት ሽማግለታት ሓገዞም ብምውፋይ ሓልዮቶም ከም ዘርእዩ እተረጋገጸ ኢዩ። (ገላ. 6:⁠9, 10) ሽማግለታትን ካልኦትን ተግባራዊ ሓገዝ ጥራይ ዘይኰነስ ዘድሊ ምጽንናዕ እውን ይህቡ ኢዮም። (1 ተሰ. 5:⁠14) እታ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት እትበሃል ብሮሹር: ብፍላይ ከኣ እታ “ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ፧” ዘርእስታ ክፍሊ (ገጽ 20-24) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ተግባራዊ ዝዀነ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣምላኻዊ ጥበብን ደገፍ የሆዋን ናይ ሓቂ ዓቢ ሓገዝ ኰይኑ ኢዩ።​—⁠መዝ. 37:⁠25፣ ምሳ. 3:⁠3-6፣ ማር. 10:⁠28-30

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

(ናብ ገጽ 6 1ይ ዓምዲ ይቕጽል )

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሕቶ ሳጹን . . . (ካብ ገጽ 5 ዝቐጸለ )

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ