ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣሎካዶ፧
1 ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ብዘይስስዐ ንደቅሰብ ዝፈጸመሎም ዘሎና ሞሳ ክእለትና: ሓይልና: ከምኡውን ብርታዐና ብርእሰ-መስዋእታዊ መገዲ ንኽንጥቀመሉ ንዅልና ክድርኸና ኣለዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ” ብምባል ይምሕጸነና። (ሮሜ 12:1) በብእዋኑ ገዛእ ርእስኻ እንተ መርሚርካ: ኵነታትካ ብዝፈቕደልካ መጠን ምሉእ ብምሉእ ነዚ መንፈስ እዚ ተርኢ ምህላውካን ዘይምህላውካን ክትፈልጥ ክሕግዘካ ኢዩ።
2 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣብ ምርካብ:- ስርዓታዊ ኴንካ ናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ንምግባር ግዜ መዲብካዶ ኣሎኻ፧ ብመሰረት እቲ መደብካዶ ትኸይድ ኢኻ፧ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብግቡእ ናይ ምድላው ልምዲ ኣሎካዶ፧ ርእሲ ስድራቤት እንተድኣ ዄንካ: ምስ ስድራቤትካ ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ትገብርዶ ኢኻ፧ ነዚ ንምግባር ኣብ ቴለቪዥን: ኣብ ኮምፒዩተር: ወይ ድማ ኣብ ካልእ ዋኒን ዝጠፍእ ግዜ መስዋእቲ ምግባር ክሓትት ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቃል ኣምላኽ እነጥፍኦ ግዜ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ከም ዝሕግዘና ምፍላጥናስ: እዚ እንገብሮ መስዋእቲ ምስኡ ክወዳደር ከሎ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ቍጽሪ ዘይኣቱ ኰን ኢዩ!—ዮሃ. 17:3
3 ውሉዳትካ ኣብ ምልምማድ:- ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ንኽትማሃር እቲ ዝበለጸ እዋን ካብ ቍልዕነት ምጅማር ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንጸወታ ግዜ ዘለዎ: ንስራሕን ንቲኦክራሲያዊ ንጥፈታትን እውን ግዜ ከም ዘለዎ ንውሉዳትካ ክትምህሮም ኣሎካ። (ኤፌ. 6:4) ኣብ ገዛ ገለ ጠቓሚ ዋኒን ሃቦም። ምስኣቶም ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ስሩዕ መደብ ኣውጽእ። ነቲ እትህቦ መምርሒ ብሰናይ ኣብነትካ ደግፎ።
4 ኣብ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት:- ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ንረብሓ ካልእ ኢሉ መስዋእትታት ክገብር ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን እታ ጉባኤ ትብርትዕ። (እብ. 13:16) ኣብ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ንኽትካፈል ዝያዳ ግዜ ከተሕልፍዶ ምኸኣልካ፧ ሕሙማት ወይ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንምሕጋዝ: ምናልባት እውን ብመጓዓዝያ ናብ ኣኼባታት ከም ዝመጹ ንምግባር ወለንተኛ ክትከውን ትኽእልዶ፧
5 የሱስ ቀቅድሚ ነታ ምድራዊት ህይወቱ ዛዛሚ መስዋእቲ ገይሩ ምቕራቡ: ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ረብሓታት ናይታ መንግስቲ ከተኵሩ: ካልእ ዝተረፈ ነገራት ከኣ ኣብ ህይወቶም ካልኣይ ቦታ ክህብዎ መኸሮም። (ማቴ. 6:33) ንየሆዋ ባህ ኢሉና ከነገልግሎ ከሎና ከምዚ ዝኣመሰለ ርእስኻ መስዋእቲ ናይ ምግባር መንፈስ ምስዓብ ዝያዳ ሓጐስ የምጽኣልና።