ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ! ንጽል ቅዳሓት። እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ክትዕድላ ምሳኻ ተማላኣያ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ከኣ ጻዕሪ ግበር። ሰነ:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣድህብ። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዞም ዝስዕቡ 32 ገጽ ዘለዎም ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ !፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ዘ ጋቨርንመንት ዛት ዊል ብሪንግ ፓራዳይዝ (እንግሊዝኛ)፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ —ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ከምኡውን ስፕሪትስ ኦቭ ዘ ደድ —ካን ዘይ ሄልፕ ዩ ኦር ሃርም ዩ፧ ዱ ዘይ ሪሊ ኤግዚስት፧ (እንግሊዝኛ)።