ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣድህብ። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዘን ዝስዕባ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ዝዀነት ትኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ከምኡውን ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ። መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ።