ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
መዘኻኸሪ:- ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበረሉ ወርሒ ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝኸውን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ሒዛ ክትወጽእ ኢያ። ኣብቲ “ገበርቲ ቓል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል: ጉባኤታት ዝድለ ምትዕርራያት ክገብራ ይኽእላ ኢየን። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ኣብታ ቀቅድሚ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ እትውሰድ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ነታ ኣብ ናይ መወዳእታ ፕሮግራም ዘላ 15 ደቒቕ ካብቲ ኣብ ናይ ነሓሰ 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ወጺኡ ዘሎ “ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት” ከምኡውን ብዛዕባ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝገልጽ ነጥብታት ዝሓዘ ኣብ እታው ዘሎ ዓንቀጻት ኣቕርብ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ናይ ቅድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ፕሮግራም ቅድሚ ምጅማሩ እንታይ ክፍልታት ከም ዝቐርብ ኣብቲ ናይ ፕሮግራም ወረቐት ክርእን ኣቐዲሙ ከስተንትነሉን ኣተባብዕ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ፕሮግራም ንምትኳር ከምኡውን ሓጺርን ትርጕም ዘለዎን መዘኻኸሪ ንምውሳድ ይሕግዝ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክልተ ወይ ኣርባዕተ ሰሙናት ጸኒሑ: ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ናይቲ ፕሮግራም ዝቐርበሉ 30 ደቒቕ ዝወስድ ክፍሊ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ክግበረሉ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ እቶም ነዚ ክፍሊ እዚ ከቕርቡ እተመደቡ ሰለስተ ክእለት ዘለዎም ኣሕዋት ክሓቱ ኸለዉ ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ንምሃብ ተዳልዩ ክመጽእ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ሓደ ሰብ ነቲ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተማህሮ ነገር ብኸመይ ኣብ ናብርኡን ኣገልግሎቱን ከም ዘውዕሎ ዝሕብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ወይ ክልተ ሓጺር ተመክሮታት መሪጽካ ክዝንቶ ይከኣል ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ብግቡእ ምስ ዝዳሎ ነዚ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝቐርብ ክፍሊ መሳጥን መሃርን ይገብሮ።
11 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 139
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “በረኸት የሆዋ የሀብትመና።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር።—ኢንሳይት (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 2 ገጽ 804 ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ።
20 ደቒቕ:- “ተገዳስነት ንምልዕዓል እዋናዊ ፍጻመታት ተጠቐም።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን መርኣያታትን። ኣብቲ ከባቢ ተገዳስነት ዘለዓዓለ እዋናዊ ፍጻመታት ጥቐስ። እዚ ፍጻመታት እዚ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ጭንቀት ኣለዓዒሉ ኣሎ፧ በቲ ኣብ ገጽ 3 ናይታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ዘሎ ኣርእስቲ ብምጥቃም ናብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ዝመርሕ መእተዊ ኣቕርብ። ክልተ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ተግባራዊ መርኣያታት ኣቕርብ።
መዝሙር 224ን መዕጸዊ ጸሎትን
18 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ዝሓለፈ ዓመት እንታይ ዓሚምና፧ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዘቕርቦ ዝርርብ። ነቲ ኣብ ናይ 2000 ዓመት ኣገልግሎት ጐሊሑ ዝርአ ናይታ ጉባኤ ጸብጻብ ኣቕርብ። ስለቲ እተፈጸመ ጽቡቕ ተግባራት ንኣድ። ምምሕያሽ ክግበር ዘድልየሉ መዳያት ጥቐስ። እታ ጉባኤ ኣብ ቍጽሪ ተኣከብቲ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ምግባር: ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ምምራሕን: ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታዊ ብምዃን ዝመጸ ከመይ ትኸይድ ከም ዘላ ኣትኵረሉ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝፍጸም ተግባራዊ ሸቶታት ግለጽ።
20 ደቒቕ:- “ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ!” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣብታ ዓንቀጽ ዝርከብ ጥቕስታት ኣጕልሕ።
መዝሙር 30ን መዕጸዊ ጸሎትን
25 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 93
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መስከረም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ሕቶ ሳጹን ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
15 ደቒቕ:- መጽሔታትና ግዜ ኣይሓልፎን ኢዩ። ናይ ቀደም ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ ዝእከበካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ገለ ኣስፋሕቲ እቲ ኣርእስትታት ግዜኡ ዝሓለፎ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም: ነቲ መጽሔታት ክጕሕፍዎ ይደልዩ ኢዮም። እታ ናይ መስከረም 1993 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3 ግን ገለ ናይ ቀደም መጽሔታትና ክንማላእን ኣብ ዝጥዕም ኵነታት ከነበርክቶን ኣተባቢዓትና ኢያ። ምስዚ ግዜና ዝኸይድ ንሰብኡት: ኣንስቲ: ክኢላታት: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ከምኡውን ኰተቴታት ዝኸውን ዓንቀጻት ዝሓዘ መጽሔታት ክትመርጽ እሞ ድሕርዚ ኣጋጣሚ ምስ ረኸብካ ነቲ መጽሔታት ንምብርካት ከተዳልዎ ትኽእል ኢኻ። መጽሔታት ከመይ ገይርካ ከም ዝምረጽን ዝብርከትን መርኣያ ኣቕርብ። ኣስፋሕቲ ናይ ቀደም መጽሔታት ብምብርካት ዝረኸብዎ ዕዉት ተመክሮታት ኣዘንቱ።
መዝሙር 115ን መዕጸዊ ጸሎትን
2 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 169
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ናብ ካልእ ቦታ ኽግዕዝ የድልየኒ ድዩ፧” ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ቅድሚ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝና ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ። ኣብ ምሳሌ 22:3 ዝርከብ ምኽሪ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ግለጽ። ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 22 ዝርከብ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ነጥብታት ወሲኽካ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- ዝርርብ ብዛዕባ ምጅማር እተረኽበ ተመክሮታት። ኣብታ 11 መስከረም እትጅምር ሰሙን ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ: ተገዳስነት ንምልዕዓልን ኣብ ኣገልግሎት ዝርርብ ንምጅማርን ብእዋናዊ ፍጻመታት ገይርና መእተዊ ክንጥቀም ተነጊሩና ነይሩ። ተኣከብቲ ነዚ ሓሳባት እዚ ብምጥቃም ዝረኸብዎ ጽቡቕ ውጽኢታት ከዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 205ን መዕጸዊ ጸሎትን