ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ—እንታይ ኢዩ ዘጠቓልል፧
1 ኣብ ኣኼባታትና ናይ ዝመጹ ቍጽሪ ተኣከብቲ ብቐጻሊ ይውስኽ ስለ ዘሎ: ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ የድልየና ድዩ ኣየድልየናን ክንሓስበሉ ዘሎና እዋን ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። ገሊኡ ኣደራሻት ድሮ ልዕሊ ዓቕሙ ይሕዝ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣርሒቑ ዘይጠመተ መደብ ከነወግድ ከም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ: ከመይሲ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ድሕሪ ምውድኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣዝዩ ክጸብብ ወይ ምስቲ ዕቤት ዘይመጣጠን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣርሒቕና ክንጥምት ኣሎና። ኣብ ምጽንቃቕ ግዜ መወዳእታ ከም ዘሎናን “ብርቱዕ ጸበባ” ቀሪቡ ምህላዉን ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: እኹል ኣደራሻት መንግስቲ ንምስራሕ መደብ ክንገብር ኣሎና። ገሊኣተን ጉባኤታት ምክራይ ዝሓሸ ዀይኑ ይረኽብኦ ይዀና: ብዙሓት ጉባኤታት ግን መሬት ዓዲገን ብቑዕ ኣደራሽ መንግስቲ ምህናጽ ዝያዳ ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑ ረኺበንኦ ኢየን።
2 ነቲ ውጥን መን ኢዩ ኽገብሮ ዘለዎ፧ ኵሎም ሽማግለታት እዚ ሓላፍነት እዚ ክስምዖም ኣለዎ። ሓድሽ ኣደራሽ እንተድኣ ኣድልዩ: እቶም ሽማግለታት ወይ ንሳቶም ዝወከልዎም ሰባት ዝህነጸሉ መሬት ንምርካብ ተበግሶ ይወስዱ: እንተዀነ ግን ኵላቶም ኣማራጺታት ካብ ምንዳይ ከብኵሩ የብሎምን። ሓድሓደ ግዜ ምቹእ መሬት ይውፈ ወይ ይዕደግ ኢዩ። ገሊኣተን ጉባኤታት ሓደ ቤት ዓዲገን ንጉባኤ ከም ዝምችእ ገይረን ምትዕርራየን ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበንኦ ኢየን። ይኹን እምበር: ማሕበር ነቲ ቦታ ከም ዘጽደቐቶ ብጽሑፍ ቅድሚ ምግላጻ: በጃኹም ብስምኩም ኰነ ብስም ማሕበር ውዕል ኣይትግበሩ። እቲ ኣብ ጨንፈርና ተመስሪቱ ዘሎ ሓድሽ ክፍሊ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ: ጉባኤታት ኣደራሽ ንኽህልወን ኣብ ዝገብርኦ ዝዀነ ይኹን መደብ ብቐጥታ ክካፈል ኢዩ።
ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ንምስራሕ ዘድሊ ገንዘብ ምርካብን ምህናጽን
3 እታ ጉባኤ ኣደራሽ መንግስቲ ንኽህልዋ ክትሓስበሉ ኸላ: ነቲ ፕሮጀክት ወፈያ ክትገብር ወይ ኣብዚ እዋን እዚ ዘየድልየካ ገንዘብ ብመልክዕ ልቓሕ ክትህብ ትኽእል ትኸውን። ብተወሳኺውን: ንበረኸት የሆዋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብትኽክል ክንደይ ከም እትውፊ ክትውስን ትደሊ ትኸውን። እዚ ብወለንታ ዝግበር እኳ እንተዀነ: እቶም ሽማግለታት መደባት ከውጽኡ ኸለዉ ንኽሕግዞም ግን ነቶም ሓገዝ ክህቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ስሞም ከይጠቐሱ ብሓንሳእ ዘዋጽእዎ: ብመልክዕ ልቓሕ ዝህብዎ: ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘዋጽእዎ ገንዘብ ክገልጹ ክሓትዎም ይኽእሉ ኢዮም። ብዙሓት ጉባኤታት ባዕለን ዘዋህለልኦ ገንዘብ ድሕሪ ምርኣይ: ካብ ማሕበር ምልቃሕ ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበንኦ ኢየን። ካብ ማሕበር ክትልቅሑ እንተድኣ ዄንኩም እቲ ኽፍሊ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ዘድሊ ቅጥዕታት ኣብ ምምላእ ክሕግዘኩም ኢዩ።
4 እቶም ሽማግለታት ኣብቲ ዕዮ ህንጸት ዝካፈሉ ናይ ጉባኤኦም ኮሚተ ህንጻ ይመርጹ። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ናይ ህንጸትን ንግድን ተመክሮ ዘለዎም ኣሕዋት እንተ ተመርጹ ይሓይሽ። እዚ ኮሚተ እዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ማሕበር ክፍሊ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ኢዩ ዝሰርሕ። ነቲ ውሳነ እተገብረሉን ኣብ ወረቐት ዝሰፈረን ነገር ክልውጥ ኣይክእልን ኢዩ።
5 ህንጸት ምስ ተጀመረ ዅላትና ወለንተኛታት ኴንና ናይ ምዕያይ መሰል ኣሎና። ኣብ ጽርበት ዕንጸይቲ: ምንዳቕ: ምግጥጣም ሻምብቆታት: ወይ ኣብ ካልእ ነገራት ክእለት ኣሎካዶ ኢዩ፧ ክእለት እንተሎካ ብዙሕ ክትጠቅም ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን ወለንተኛ ኴንካ ንምዕያይ የግዲ ገለ ዓይነት ናይ ህንጸት ክእለት ክህልወካ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ከም ነቲ ቦታ ንስራሕ ምድላው: ዘድሊ ቀረብ ምምጻእ: ሓድሓደ ነገራት ምግጥጣም: ምጽራይ: ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ ዕዮታት ኣሎ። ኣሓት እውን ኣብ ገሊኡ ናይ ህንጸት ስርሓትን ንሰራሕተኛታት መግቢ ኣብ ምድላውን ወለንተኛታት ኰይነን ክዓያ ይኽእላ ኢየን። ነቶም ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉን ካብ ጐረባብቲ ጉባኤታት ዝመጹን ወለንተኛታት ብግቡእ ምስ እትጥቀምሎም ነቲ ኣብ በረኻ ማሕደር ክስራሕን ሰሎሞን ቤት መቕደስ ክሃንጽን ከሎ ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዝነበሩ ብልህታት እተጠቕሙሎም ዓይነት ኣብነት ኢኹም እትስዕቡ።—ዘጸ. 35:34፣ 2 ዜና 2:11-16
6 እቲ ናይ ህንጸት ስራሕ ንዕዮ ስብከትና ካብ መጠን ንላዕሊ ምእንቲ ኸይዓናቕፎ: እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ እንተ ተሃንጸ ጽቡቕ ኢዩ። እቶም ኣካል ሽማግለታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንምስታፍ ስሩዕ መደባት ክገብሩ ኣለዎም። እቶም ኣብ ዕዮ ህንጸት ብዙሕ ክሳተፉ ዘይክእሉ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘለዎም ንጥፈት ከዛይዱ ይኽእሉ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ሓደ ሰብ ኣድለይቲ ናይ ስድራቤት ጕዳያት ዕሽሽ ክሳዕ ዝብል ኣብ ዕዮ ህንጸት ኣዝዩ ብዙሕ ግዜ ከየጥፍእ ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ። ንናይ ህንጸት ዕዮ: ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ: ንኣኼባታት: ከምኡውን ንግራት ኣገልግሎት መደባት ምውጻእ ሚዛንካ ንምሕላው ይሕግዝ ኢዩ። ገለገለ እዋን ንሓደ ፕሮጀክት ንምውዳእ ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ብርቱዕ ዕዮ ምዕያይ የድሊ ይኸውን: እንተዀነ ግን የሆዋ ነቶም ካብ ልቦም ዘገልግልዎ ይባርኾም ኢዩ።—ቈሎ. 3:23, 24
7 ኣደራሽ መንግስቲ ኽህነጽ ከሎ ፍረ መንፈስ: ብፍላይ ከኣ ፍቕሪ: ዓቕሊ: ህድኣት: ከምኡውን ርእስኻ ምግታእ ከነንጸባርቐሉ እንኽእል ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። (ገላ. 5:22, 23) ገሊኡ ነገራት ከምቲ እንደልዮ ኰይኑ እንተ ዘይተዓዩ: መብዛሕትኡ እዋን ከምኡ ዝዀነሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ። ዅሎም ወለንተኛታት ነዚ ኣብ ኣእምሮኦም ምስ ዝሕዙ ከምኡውን መብዛሕትኡ እዋን ንሓደ ነገር ንምዕያይ እተፈላለየ መገድታት ከም ዘሎ ምስ ዝዝክሩ ምስቶም ነቲ ዕዮ ዝቈጻጸሩ ንኽተሓባበሩ ይሕግዞም ኢዩ። ኣብ ግዜ ህንጸት ነዊሕ ዕላል ምዕላልን ንሓድሓደ ናይ ብሕቲ ምርጫታት ዘይምቅዳውን ግዜ ዘጥፍእ ከምኡውን ነቲ ዕዮ ዝዓናቕፍ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣሕዋት ዝገብርዎ ናይ ህንጸት ፕሮጀክትታት ዕዉት ዝገብሮ ሰላም እውን ክዘርግ ይኽእል ኢዩ።—መዝ. 113:1፣ ያእ. 3:17
8 እቲ ናይ ህንጸት ዕዮ ምስ ተዛዘመ ናይ ወፈያ ፕሮግራም ክዳሎ ኣለዎ። ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከኣ ተዛራባይን እዚ ኣጋጣሚ ዝውዕለሉ መዓልትን ይውስን። ገሊአን ጉባኤታት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባት ነቲ ሓድሽ ኣደራሽ መጺኦም ምእንቲ ኽርእይዎ: እቲ ኣደራሽ ክፉት ኰይኑ ዝጸንሓሉ ገለ ሰዓታት ይምድባ። መብዛሕትኡ ግዜ ጉባኤታት ቅድሚ እቲ ናይ ወፈያ ዝርርብ ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ዘጋጠመ ተመክሮታትን ታሪኽ ናይታ ጉባኤን ኣዳልየን የቕርባ ኢየን። እቲ ናይ ወፈያ ፕሮግራም ቀዳም ዝግበር እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ከምኡውን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሰንበት ንኽውሰድ ምድላዋት ክግበር ይከኣል ኢዩ።
እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝህቦ ኣገልግሎት
9 ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ካብ ዘምጽኦ ዘሐጕስ ነገር ብዙሓት ጉባኤታት ኣደራሽ መንግስቲ ምርካበን ኢዩ። ቀጺሉ ግን ‘ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ መን ኢዩ ዝውንኖ፧’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ኢዩ። ከም ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ ዋላ ሓንቲ ጉባኤ “ዝወነነቶ” ዀይኑ ክስምዓ የብሉን። ንኣምልኾ የሆዋ ኢዩ ተወፍዩ። እተን ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝሃነጻኦ ወይ እተኻረያኦ ጉባኤታት ብሕድሪ ኸም እተዋህበን ገይረን ክርእይኦ ይኽእላ ኢየን። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብዝበለጸ መገዲ ንምድንፋዕ እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ብጥበባዊ መገዲ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝህቦ ኣገልግሎትን ዘድሊ ጽገናን ንምክትታል ብዛዕባዚ ፍልጠት ዘለዎም ሽማግለታት ዝርከብዎ ኮሚተ የቝሙ።
10 ኣደራሽ መንግስቲ ሓደ ካብቲ ብሓንሳእ ንኽንእከብ ዘኽእለና ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ምድላው ኢዩ። ስለዚ: ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ንምህናጽ ዝግበር ፕሮጀክትታት ተሓጒስና ክንሕግዝ: ንኣደራሽ መንግስትና ብምክንኻን ድማ ሞሳና ከነርኢ ኣሎና። ንጉስ ዳዊት “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ: ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ” በለ። (መዝ. 122:1) ነቲ ዳዊትን ካልኦት እሙናት ኣገልገልትን ንሓቀኛ ኣምልኾ የሆዋ ንዝግበር ዕዮ ህንጸትን ነቲ ህንጻን ዝነበሮም ኣረኣእያ ንቕድሓዮ።