ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ኣዝዮም ሕጉሳት ሰባት
1 “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ [“ሕጉስ:” NW ] እዩ።” (መዝ. 144:15) እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ኣዝዮም ሕጉሳት ሰባት ምዃኖም ዝገልጻ ኢየን። ነቲ ናይ ሓቅን ህያውን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኻብ ምግልጋል ዝዓቢ ሓጐስ የለን። “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ እቶም ዘምልኽዎ ነዚ የንጸባርቑ ኢዮም። (1 ጢሞ. 1:11 NW ) ዝያዳ ሕጕሳት ንኽንከውን ኣበርክቶ ዝገብር ገለ መዳያት ኣገልግሎትና እንታይ ኢዩ፧
2 ሕጉሳት ዝዀንናሉ ምኽንያት:- የሱስ ክርስቶስ ‘ንመንፈሳዊ ድሌት ንቑሕ’ ብምዃን ሓጐስ ከም ዝርከብ ኣረጋጊጹ ኣሎ። (ማቴ. 5:3 NW ) ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባርን ኣብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋልን ነዚ ድሌት እዚ ዘማልኣልና ኢዩ። ካብ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ስለ እተመሃርና: ካብ ሃይማኖታዊ ሓሶትን ስሕተትን ሓራ ዄንና ኢና። (ዮሃ. 8:32) ብተወሳኺውን ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ዝበለጸ ዓይነት ኣነባብራ ምሂሩና ኢዩ። (ኢሳ. 48:17) በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ዘሐጕስ ሕውነታዊ ሕብረትና ጥዑይ ክርስትያናዊ ዕርክነት ኣሎና።—1 ተሰ. 2:19, 20፣ 1 ጴጥ. 2:17
3 ነቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ክንእዘዝ ከሎና ዕቝባ ኸም ዝዀነናን ንየሆዋ ከም ዘሐጕሶን ስለ እንፈልጥ ዓብዪ ዕግበት ንረክብ ኢና። (ምሳ. 27:11) ብዛዕባዚ ሓደ ጋዜጠኛ ኸምዚ በለ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽኑዕ ስርዓታት እኳ እንተ ሃለዎም ጕሁያት ግን ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ ግን ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ሕጉሳትን ሚዛናውያንን ኢዮም ዝመስሉ።” ካልኦት ተኻፈልቲ ናይቲ ዘሐጕስ ኣነባብራና ምእንቲ ክዀኑ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ንኻልኦት ሓግዙ እሞ ሓጐስ ክትረኽቡ ኢኹም:- ዓለም ብጓሂ መሊኣ ኢያ ዘላ: መብዛሕትኦም ሰባት እውን ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ኣረኣእያ የብሎምን። ንሕና ግን ሓደ ግዜ ጓሂ ዘይህልወሉ ግዜ ኸም ዝመጽእ ስለ እንፈልጥ ብሩህ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎና። (ራእ. 21:3, 4) ስለዚ: ነቲ ተስፋናን ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና እምነትን እነካፍሎም ቅኑዓት ሰባት ንምንዳይ ኣብ ኣገልግሎት ብቕንኢ ንካፈል ኢና።—ህዝ. 9:4
5 ሓንቲ ፓይነር “ሰባት ንየሆዋን ንሓቅን ክፈልጡ ኻብ ምሕጋዝ ንላዕሊ ዘዕግብ ነገር የለን” በለት። ብዙሓት ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ፍቓደኛታት ምእንቲ ክዀኑ ንምትብባዖም ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። ንየሆዋ ምግልጋልን ካልኦት ምእንቲ ኸገልግልዎ ንምሕጋዞም ምጽዓርን እቲ ዝዓበየ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ።—ግብ. 20:35