ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/02 ገጽ 1
  • ንኻልኦት ክትሕግዝ ‘ትፈቱ’ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኻልኦት ክትሕግዝ ‘ትፈቱ’ ዲኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትሕግዝ ምኸኣልካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንኻልኦት ብምግልጋል፡ ንየሱስ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ስድራቤታት: ንኣምላኽ ከም ክፍሊ ጉባኤኡ መጠን ወድሳኦ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣቱም ወለዲ: ንስድራቤትኩም ሕለዩሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 6/02 ገጽ 1

ንኻልኦት ክትሕግዝ ‘ትፈቱ’ ዲኻ፧

1 የሱስ ንሰባት ካብ ልቡ ኢዩ ዝሓልየሎም ነይሩ። ሓደ እዋን ሓደ ለምጻም ንኸሕውዮ ምስ ለመኖ: የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ: “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ድማ በሎ። (ማር. 1:40-42 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝነበሮ ድሌት ብኸመይ ክንቐድሖ ንኽእል፧

2 ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት:- ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣምለኽቲ የሆዋ ንኽዀኑ ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ሓደስቲ ሰባት ናብ ጉባኤ ምስ መጹ ተፋለጦም: ኣተባብዓዮም: ሓሳባት እንተ ሂቦም እውን ንኣዶም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ጻዕሪ ብምግባሮም ሞሳኻ ግለጸሎም። ኣብ ጉባኤኹም ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥርዩ ኸም ዝኽእሉ ንኽግንዘቡ ሓግዞም።

3 ኣመንቲ ብጾት:- ምናዳ “ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት” ብእተፈላለየ መገዲ ኽንሕግዞም ኣሎና። (ገላ. 6:10) ብዙሓት ናይ ጥዕና ጸገማት ኣለዎም። ነዚኣቶም ምስ እትበጽሖም ሕውነትካ ይድልድል: ምናልባት እውን ግብራዊ ሓገዝ ክትገብረሎም ትኽእል ኢኻ። ገሊኣቶም ከኣ ምናልባት ካልእ ጸገማት ይህልዎም ይኸውን። ግዜ ወሲድካ ሓሳባቶም ብምስማዕን ብመንፈስ ብምህናጽን ሓልዮትካ ኣርእዮም። (1 ተሰ. 5:⁠14) ሽማግለታት እውን ሓላፍነታቶም ክፍጽሙ ኸለዉ ኽንተሓባበሮም ኣሎና። (እብ. 13:⁠17) ናይ ፍቓደኛነትን ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝን መንፈስ ብምንጽብራቕ: ንኣመንቲ ብጾትና “ምጽንናዕ” ክንኰኖም ንኽእል ኢና።​—⁠ቈሎ. 4:⁠11

4 ኣባላት ስድራ​ቤት:- ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤትና እውን ነቲ የሱስ ንሰባት ዘርእዮ ሓልዮት ክንቀድሖ ኽንጽዕር ኣሎና። ወለዲ ዓሚቝ ሓልዮት እንተደኣ ሃልይዎም: ‘ንውሉዳቶም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ንኸዕብይዎም’ ይድረኹ ኢዮም። (ኤፌ. 6:⁠4) ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ እትገብሩሉ: ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እትኸዱሉ: ወይ ናብ ግራት ኣገልግሎት እትወጹሉ ሰዓት ክኣክል ከሎ: ውሉዳት ድሉዋት ኰይኖም ብምጽናሕ እጃሞም ከበርክቱ ይኽእሉ ኢዮም። ዓበይቲ ውሉዳት ነቲ ወለዶም ብሰንኪ እርጋን ዘጋጥሞም ጸገማት ዘቃልል ነገር ብምግባር ነቲ የሱስ ዘርእዮ ድንጋጽ ክቐድሕዎ ይኽእሉ ኢዮም። በዝን ብኻልእ መገድታትን ኵላትና ‘ኣብ ስድራ​ቤትና ፍርሃት እግዚኣብሄር ከነርኢ’ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ጢሞ. 5:⁠4

5 ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዝመጸ ንየሱስ ክንመስሎ ኸሎና ጸገማቶም ነቃልለሎም: ኣብ ስድራ​ቤትናን ጉባኤናን ድማ ምቅርራብ ይፍጠር። ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ “ኣቦ ምሕረት” ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ።​—⁠2 ቈረ. 1:3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ