ክትሕግዝ ምኸኣልካዶ፧
1 የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኺሕግዘሉ ዚኽእል መገድታት ወትሩ እዩ ዜናዲ። (2 ዜና 16:9፣ ኢሳ. 41:10, 13) ኢሳይያስ: ንየሆዋ ምስ ሓደ ሕያዋይ ጓሳ ብምምስሳል: “ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም: ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳ. 40:11) ነቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ሓልዮት ክንቀድሓሉ እንኽእል መገድታት እስከ ንርአ።
2 ንሓደስቲ ሰባት ንሓግዞም:- ሓደስቲ ሰባት ሃናጺ ኣብ ዝዀነ ምትእኽኻብ ምሳና ኺሓብሩ ብምዕዳም ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። (ምሳ. 13:20) ሓደ ሓው ምስ ሓንቲ ጉባኤ ኺሓብር ምስ ጀመረ: እቶም ኣሕዋት ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎ ኺዝክር ከሎ: “ሓንቲ ስድራቤት ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት: ኣብቲ ናይ ስድራቤቶም መጽናዕቲ ኺሓብሮም ይዕድሙኒ ነበሩ። ዕቤት እናኣርኣኹ ምስ ከድኩ ድማ: ሰብኣይን ሰበይትን ፓይነራት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ምስኦም ክውዕልብቐጻሊ ይዕድሙኒ ነበሩ። ወትሩ ሰናይ ዝዀነ መንፈሳዊ ዕላል ነዕልል ነበርና” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ክርስትያን ቅድሚ ምዃነይ: ምሸት ምሸት ዓርብን ቀዳምን ኪዘናጋዕ ኢለ እወጽእ እኳ እንተ ነበርኩ: እቲ ምስ ኣሕዋት ዜሕልፎ ዝነበርኩ ግዜ ግን ነቲ ናይ ምዝንጋዕ ድሌተይ የማልኣለይ ነበረ” ይብል። ነዚ ሓው እዚ: እታ ጉባኤ ዘርኣየቶ ፍቕራዊ ተገዳስነት ኣብ እምነቱ ኺጸንዕን ኪድልድልን ሓጊዝዎ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰይኑ የገልግል ኣሎ።—ቈሎ. 2:6, 7
3 ንሓድሕድና ንተሃናነጽ:- ኣሕዋትና ጽንኵር ኵነታት ኬጋጥሞም ከሎ እንሕግዘሉ ኣጋጣሚታት ሃሰስ ክንብል ንኽእል ኢና። ምስ ሓደ ስንኩል ኣስፋሒ ሓቢርካ ናይ ቴሌፎን ምስክርነት ንምሃብ ወይውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከሎኻ ምሳኻ ዀይኑ ንኺዓዪ ኽትዕድሞ: ምናልባት እውን ነቲ ተማሃራይካ ናብ ገዝኡ ሒዝካዮ ንምኻድ ምድላዋት ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ንኣሽቱ ውሉዳት ዘለዉዎ ወላዲ ኣገልግሎት ኪወፍር ከሎ ሓገዝካ መድለዮዶ፧ ተመላሊስካ ምብጻሕ ኪገብሩ ኸለዉ ወይውን ኣብ ካልእ መዳያት ኣገልግሎት ኪሳተፉ ኸለዉ ሓገዝካ ዚደልዩ ሕፍረት ዚስምዖም ኣሕዋት ኣለዉዶ፧ ኣብ ኣሕዋትና ፍቕራዊ ተገዳስነት ምስ ዚህልወና ንኽንሃንጾም ዜኽእለና እተፈላለየ መገድታት ከነናዲ ኽንለዓዓል ኢና።—ሮሜ 14:19
4 ነቲ የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ ዘለዎ ሓልዮት ምስ እንቐድሖ: ንሓድሕድና ኽንበራታዕ: እታ ጉባኤ ብፍቕሪ ኸም እትሓብር ክንገብር: ከምኡውን ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ኸነምጽኣሉ ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 4:16