ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
8 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 5 (46)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ካብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም። ኣብታ ኣዋር ሚኒስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 71-2 ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኸም ክርስትያን ኣገልገልቲ መጠን ዕቤት ንኸነርኢ በየኖት ሓሙሽተ መገድታት እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧ ካብ ናይዛ ወርሒ እዚኣ መደብ ገለ ኣብነታት ጥቐስ። ኣቐዲምካ ምድላው እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧ ስርዓታውያን ኴንና ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚ ኣኼባ እዚ መሰረት ዚኸውን እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኣሎ፧
20 ደቒቕ:- “ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይሃልኹም!”* ካብታ ናይ 15 ጥሪ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-13 እውን ሓሳባት ወስኽ።
መዝሙር 3 (32)ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 መስከረም ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ካልእ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣቀራርባታት ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ።
15 ደቒቕ:- ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ትፈልጦዶ፧ ኣብታ ናይ 1 ሕዳር 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-23 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- “ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ የለዓዕለና።” ብሽማግለ ዚቐርብ። ንሓደ ወይ ክልተ ደቒቕ ዚኸውን መእተዊ ተጠቒምካ: በቲ ኻብ 1-6 ዘሎ ሕቶታት ጌርካ ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣኼባ ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሉ። ንግዜኻ ንነፍሲ ወከፍ ሕቶ ጽቡቕ ጌርካ ኽትመያየጠሉ ብዜኽእል መገዲ ኸፋፍሎ። መልሱ ብቐሊሉ ንኽትረኽቦ ዚሕግዝ ጥቕስታት ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብተን ዘለዋኻ ደቓይቕ ንዅሉ እቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ዚወሃብ ሓሳባት: ንእተመሃርናዮ ነገራት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እንታይ ጥቕሚ ኺህበና ኸም ዚኽእል ዘተኰረ ኪኸውን ይግባእ።
መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ የለዓዕለና።” ብሽማግለ ዚቐርብ። ብዛዕባ እተን ቀዳሞት ሕቶታት እተዋህበ መምርሒ ብምስዓብ ካብ 7-14 ዘሎ ሕቶታት ተጠቒምካ ናይታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ኣኼባ ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሉ።
መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን
29 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ነተን ናይ 15 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 መስከረም ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ኣቕርብ።
10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሓደ ሽማግለ ዚቐርብ ዝርርብ።
25 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ—3ይ ክፋል።”* ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ቍጽሪ 3 ምስ ተመያየጥኩምላ: ኣብ ብሮሹር ብቕዓት ትምህርቲ 5 ቍጽሪ 1 እተመስረተ ሓጺር መርኣያ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕርብ። እታ ሕጡብ ጽሑፍ ድሮ ተነቢባን እታ ሕቶ ድማ ተመሊሳን እያ። ስለዚ: እቲ ዚመርሕ ሓውን እቲ ተመሃራይን ንኢሳይያስ 45:18 ከምኡውን መክብብ 1:4 ኣንቢቦም ይመያየጡለን። እቲ ዚመርሕ ሓው ነቲ ተመሃራይ ንነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ምስቲ ኺጐልሕ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ ዘለዎ ምትሕሓዝ ከም ዚገልጽ ምእንቲ ኺገብሮ ቐሊል ሕቶታት ይጥቀም።
መዝሙር 28 (224)ን መዕጸዊ ጸሎትን
6 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6 (45)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ። ነታ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ ክንዕድል ከለና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ክትሕግዝ ምኸኣልካዶ፧”* ካብቶም ብኻልኦት ኣሕዋት ንእተገብረሎም ሓገዝ ወይ ምትብባዕ ዘማሰዉ ኣስፋሕቲ ንሓደ ወይ ክልተ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም።
15 ደቒቕ:- “ኣውራጃዊ ኣኼባ ምስ ኣምላኽ ንኽንመላለስ የለዓዕለና።” ብሽማግለ ዚቐርብ። ብዛዕባ እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ሕቶታት እተዋህበ መምርሒ ብምስዓብ ካብ 15-18 ዘሎ ሕቶታት ተጠቒምካ ናይታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣኼባ ምስ ሰማዕቲ ተመያየጠሉ።
መዝሙር 20 (93)ን መዕጸዊ ጸሎትን