ምሳኻ ንኼገልግሉ ኽትዕድሞም ትኽእልዶ፧
ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት፡ ብምኽንያት ሕዱር ሕማምን ምድፋእ ዕድመን ኣገልግሎቶም ውሱን ዝዀነ ኣስፋሕቲ ኣለዉ። (2 ቈረ. 4:16) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንዘሎ ሓደ ኣስፋሒ፡ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳኻ ንኪኸይድ ክትዕድሞ ትኽእልዶ፧ እቲ ኣስፋሒ ኻብ ገዛ ኺወጽእ ዘይክእል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ምናልባት ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገዛኡ ኽትመርሖ ትኽእል ትኸውን። ሓድሓደ ግዜ ንሓደ ጸገም ጥዕና ዘለዎ ኣስፋሒ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት፡ ናብ ሒደት ኣባይቲ ሒዝካዮ ኽትከይድ ወይ ድማ ናብ ሓደ ወይ እውን ናብ ክልተ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትወስዶ ምድላዋት ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት እዚ ዘይብሃል ተመክሮታት ኣለዎም። ስለዚ፡ እቲ እትገብሮ ጻዕሪ ንዕኦም ኣብ ምትብባዕ እተሓጽረ ጥራይ ኣይኰነን። ንስኻ እውን ክትጥቀም ኢኻ። (ሮሜ. 1:12) ብዘይካዚ፡ በዚ መዳይ እዚ ፍቕርኻ ንምግላጽ እትገብሮ ጻዕሪ፡ የሆዋ ኺባርኾ እዩ።—ምሳ. 19:17፣ 1 ዮሃ. 3:17, 18።