ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/03 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 2/03 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ራእይ እቲ ዓብዪ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (ተመላሊስካ ምብጻሕ ንዝግበረሎም እንተ ተበርከተት ይምረጽ)። መጋቢት:- መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጻዕሪ እናገበርካ መጽሓፍ ፍልጠት ዓድል። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከም​ኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ​—⁠እዚ ድማ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዝመጹ ግን ከኣ ኣዘውቲሮም ናብ ጉባኤ ዘይመጹ እውን ዘጠቓልል እዩ​—⁠እታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተበርክተሎም ጽዓር። ነዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም: ብፍላይ ከኣ እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ዘጽንዑ እንተ ዀይኖም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረሎም ዝከኣለካ ዅሉ ኽግበር ኣለዎ።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር። እታ ጉባኤ ንዓለምለኻዊ ዕዮን ንኻልእ ማሕበር እተካይዶ ዕዮታትን ብዛዕባ ዝገበረቶ ወፈያ ዝገልጽ ወረቐት እንተ መጺኡ ኣንብብ።

◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈታት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ኻብ ማሕበር ዝለኣኽ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ። ናይ መስከረም 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣዩ።

◼ እቲ ናይ 2003 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ “ባቢሎን እትፍረደሉ ሰዓት ኣኺሉዶ፧” ዝብል እዩ። ምስዚ እተተሓሓዘ ምልክታ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ርአ።

◼ ብጶስጣ ዝለኣኽ ዝነበረ ናይ ብሕቲ ኵንትራት ስለ እተቛረጸ: ጉባኤታት ሓደስቲ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ምስ መጸን ብኡንብኡ ነስፋሕቲ ክቕርባሎም ኣለወን። እዚ ኸኣ ነቶም ኣስፋሕቲ ናይ ብሕቲ ቕዳሕ ንኽረኽቡን ምስ ትሕዝቶ ናይቲ ዘበርክትዎ መጽሔታት ንኽላለዩን ይሕግዞም።

◼ ናይ 2003 ኣውራጃዊ ኣኼባታት ዝግበረሉ መደብ:-

26-28 መስ.ኣዲስ ኣበባብእንግሊዝኛ

3-5 ጥቅ.ኣዲስ ኣበባብኣምሓርኛን ምልክት ቋንቋን

24-26 ጥቅ.መቐለብትግርኛን ኣምሓርኛን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ