ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ምሰሎ
1 የሆዋ: ሰባት ኪሕጐሱ እዩ ዚደሊ። ቃሉ ነቲ ንደቅሰብ ተዓቚሩሎም ዘሎ ዜደንቕ በረኸት ተሃንጢና ኸም እንጽበ እዩ ዚገብረና። (ኢሳ. 65:21-25) ነቲ “ክቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ” ንሰባት ብምክፋል ሓጐስ ከም እንረክብ ንሰባት ኪረኣዮም ኣለዎ። (1 ጢሞ. 1:11 NW) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንዛረበሉ ኣገባብ: ንሓቂ ዘሎና ፍቕሪ ዜንጸባርቕን ነቶም እንዛረቦም ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ከም ዘሎና ዜርእን ኪኸውን ይግባእ።—ሮሜ 1:14-16
2 ሓድሓደ ግዜ ሕጉስ ክትከውን ከቢድ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽልታት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኣወንታ ዚቕበሉ ሰባት ሒደት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገለገለ እዋናት ድማ ምስ ናይ ብሕትና ጸገማት ንቃለስ ኢና። ሓጐስና ምእንቲ ኽንዕቅብ: ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜድልዮምን ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ኺርድኦም ኣገዳሲ ምዃኑን ክንሓስበሉ ኣሎና። (ሮሜ 10:13, 14, 17) ብዛዕባ እዚ ምስትንታን: ነቲ የሆዋ ንድሕነት ዝገበሮ ፍቕራዊ መሰናድዎ ተሓጒስና ኽንእውጅ ይሕግዘና።
3 ኣብቲ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር:- ነቲ እንዛረቦ ነገራት እውን ከነቕልበሉ ኼድልየና እዩ። ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዘሎ ሽግር ወይ ዜና ብምጥቃስ እኳ ምይይጥ እንተ ጀመርና: ብዛዕባ ኣሉታዊ ነገራት ጥራይ ክንዛረብ ግን የብልናን። መዝነትና: ‘ሰናይ ምብሳር’ እዩ። (ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 10:15) እዚ ብስራት እዚ: ኣብቲ ብሩህ መጻኢ መብጽዓ ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ቅዱሳት ጽሑፋት ‘ንስቡራት ልቢ ንምዝናን’ ተጠቐመሉ። (ኢሳ. 61:1, 2) እዚ: ነፍሲ ወከፍና ሕጉስ መንፈስን ኣወንታዊ ኣረኣእያን ኪህልወና ዚሕግዝ እዩ።
4 ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍ ከለና: ሰባት ሕጉሳት ምዃንና ኸም ዜስተብህሉ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቶም ኣብ ክልና ዚርከቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከነካፍሎም ከለና: ወትሩ ንባህርያት እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ነንጸባርቕ።