ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ሰነ ገጽ 8
  • ብስራት ብምስባኽ ደስ ይበልካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት ብምስባኽ ደስ ይበልካ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይስበኽ ኣሎ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንየሆዋ “ብሓጐስ ተገዝእዎ”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ሓጐስ—ካብ ኣምላኽ እነጥርያ ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ሰነ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ብስራት ብምስባኽ ደስ ይበልካ

ምስባኽ ከቢዱካ ይፈልጥዶ፧ መብዛሕትና ነዛ ሕቶ እዚኣ ‘እወ’ ኢልና ኢና እንምልሳ። ስለምንታይ፧ ኣብ ክልና ንዕቀትን ጽልእን ብተደጋጋሚ የጋጥመና ይኸውን፡ ወይ ድማ ንዘይንፈልጦ ሰብ ምዝራብ የፍርሃና ይኸውን። ሓቂ እዩ፡ እዚ ነገራት እዚ ሓጐስና ኼጥፍኣልና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ብሓጐስ ከነገልግሎ ዚደልየና ሕጉስ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ። (መዝ 100:2፣ 1ጢሞ 1:11) ኣብ ስብከት ከም እንሕጐስ ዚገብረና ሰለስተ ጽቡቕ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

ቀዳማይ፡ እቲ እንእውጆ መልእኽቲ ተስፋ ዝሓዘ እዩ። ዋላ እኳ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተ ሰብ ተስፋ ብርቂ እንተ ዀነት፡ ንሕና ግና ንልቢ ሰባት ብ“ዝሓሸ ብስራት” ክንመልኦ ንኽእል ኢና። (ኢሳ 52:7) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዓና እውን ብሓጐስ ኪመልኣና ይኽእል እዩ። ክትሰብኽ ቅድሚ ምውጻእካ፡ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እተምጽኦ በረኸት ኣስተንትን።

ካልኣይ፡ እቲ እንሰብኮ ብስራት፡ ንሰባት ኣካላውን መንፈሳውን ጥቕሚ የምጽኣሎም እዩ። ጐዳኢ ኻብ ዝዀነ ልምድታት ኪርሕቑ ይምሃሩ፣ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ይህልዎም። (ኢሳ 48:17, 18፣ ሮሜ 1:16) ኣብ ሓደጋ ንዘለዉ ሰባት ከነድሕን ነናዲ ኸም ዘለና ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት ኪድሕኑ ዘይደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቶም ኪድሕኑ ዚደልዩ ኻብ ምንዳይ ግና ዓዲ ኣይንውዕልን ኢና።—ማቴ 10:11-14።

ሳልሳይን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስን ድማ፡ ዕዮ ስብከትና ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ። የሆዋ ንዕዮ ስብከትና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። (ኢሳ 43:10፣ እብ 6:10) ብዘይካዚ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም መንፈስ ቅዱሱ ብልግሲ ይህበና እዩ። ስለዚ፡ ንየሆዋ ነቲ ውጽኢት መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ሓጐስ ኪህበና ንለምኖ። (ገላ 5:22) ሳላ ሓገዙ ድማ ንጭንቀትና ኽንዋጽኣሉን ብድፍረት ክንሰብኽን ንኽእል ኢና። (ግብ 4:31) ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ክልና ዜጋጥመና ምላሽ ብዘየገድስ፡ ክንሰብኽ ካብ እተዋህበና መዝነት፡ ሓጐስ ክንረክብ ኢና።—ህዝ 3:3።

ብዛዕባ ዕዮ ስብከት እተፈላለየ ኣረኣእያ—ጕህይትን ሕጕስትን

ኣብ ኣገልግሎት ኪህልወካ እትደልዮ ኣመለኻኽታ ኣየናይ እዩ፧ ሓጐስ ከተንጸባርቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነታ ከም ቀደምካ ኽትሕጐስ፡ ኣጽንዕን ኣስተንትንን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ወወርሒ ንምስባኽ ብዙሕ ሰዓታት ነሕልፍ እኳ እንተ ዀንና፡ ንልማድ መንፈሳዊ ኣመጋግባና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ንማርያም ክንመስላ ዘለና በየናይ መገድታት ኢና፧

  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ንምስትንታን ግዜ ኽትምድብ ዘሎካ መዓስ ኢኻ፧

  • ብስራት ክትሰብኽ ከለኻ ሓጐስ ዜምጽኣልካ እንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ