ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/07 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 8 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 15 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 22 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 29 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
  • 5 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 1/07 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

8 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 22 (130)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵሎም ነታ ኣብ 22 ጥሪ እትጅምር ሰሙን ኣብ ዚህሉ ኣኼባ ኣገልግሎት እንመያየጠላ ኖ ብላድ—መዲስን ሚትስ ዘ ቻለንጅ ዘርእስታ ቪድዮ ርእዮማ ኺመጹ ኣተባብዓዮም። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: “ብስራሕ ትሑዝ እየ” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11 ርአ።

15 ደቒቕ:- ካብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ተጠቐም። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንተ ዘይብልኩም: መቕድም እታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2006 ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። መዓልቲ መዓልቲ ሒደት ደቒቕ ወሲድካ ነቲ ጥቕስን ሓሳባቱን ምንባብ ዘለዎ ኣገዳስነት ተመያየጡሉ። ንሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ ጥቕሲ ዕለት ናይ ምንባብ ልማዶምን ካብኡ ብኸመይ ከም እተጠቕሙን ሓሳባት ኪህቡ ኣቐዲምካ ኣዳሉ። ብዛዕባ ጥቕሲ ዓመት 2007 ሓጺር ምይይጥ ብምግባር ዛዝም።

20 ደቒቕ:- እቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ኣብጽሓሎም። ካብ ገጽ 92 ክሳዕ ኣብ ገጽ 102 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን

መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን

15 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ዘድሓርሕረካ ነገር ኣሎዶ፧ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13-15 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።

25 ደቒቕ:- መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ። ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረን እተወሰነ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን

22 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 28 (224)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ታሕሳስ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቶም መጽሔት እተበጻጽሓሎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሎም ከለኻ ዜርኢ መርኣያ ኣርኢ።

10 ደቒቕ:- “ተገዳስነት የብለይን።” ንቝጽሪ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ንሰማዕቲ ኣብቲ ኽሎም ዜገድስ ኣርእስቲ እንታይ ምዃኑ ሕተቶም። ነቲ “ተገዳስነት የብለይን” ዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ዜርኢ ሕጽር ዝበለ ኽልተ መርኣያታት ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 8-9 ርአ።

25 ደቒቕ:- “እቲ ዝበለጸ ሕክምና እንታይ እዩ፧” ብሽማግለ ዚቐርብ። ብቐጥታ ነቲ ኣብታ ዓንቀጽ ዘሎ ሕቶታት ተጠቒምካ ብዛዕባ እታ ኖ ብላድ እትበሃል ቪድዮ ምስ ሰማዕቲ ምይይጥ ግበር። ነታ ናይ መወዳእታ ቝጽሪ ብምንባብን ኵሎም ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ተጠንቂቖም ኪምርምርዎ ብምትብባዕን ዛዝም።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

29 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥሪ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ወርሒ ለካቲት ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ: ሓንቲ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “ንባህርያዊ ሓደጋ ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧” ብሽማግለ ዚቐርብ።

15 ደቒቕ:- ክትምለሶም ምዃንካ እንተ ደኣ ተመባጺዕካ: ተመለሶም። ኣብ ናይ 15 መስከረም 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 11 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ መብጽዓኦም ብምሕላዎም ብኸመይ ከም እተባረኹ ዚሕብር ተመክሮታት ኬዘንትዉ ዓድሞም።

መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

5 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21 (191)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- መንነትካ ዘይምሕባእ። መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ገለ መንእሰያት ብመሳትኦም ላግጺ ምእንቲ ኸይወርዶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ካብ ምንጋር የድሓርሕሩ። ይኹን እምበር: እንታይነትካ ኽትገልጸሉ ዘሎካ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎ። እቶም እምነትካ ዚፈልጡ መምህራንካ መብዛሕትኡ ግዜ ንእምነትካ የኽብሩልካን ኣብቲ ግቡእ ዘይኰነ ነገራት ክትሳተፍ ድማ ኣይግድዱኻን እዮም። እቶም ቀይዲ-በተኽ መንእሰያት እውን ኣብ ሕማቕ ተግባራት ክትሳተፍ ኪዕድሙኻ ኣይደፍሩን። ካልኦት ድማ ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር: ስፖርት: ወይ ካልእ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዚግበር ንጥፈታት ዚምልከት እትገብሮ ውሳነታት ዝያዳ ኺርድኡልካ እዮም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ኽትምስክር ወይ ኣብ ክልኻ ኽትሰብኽ ከለኻ መማህርትኻ ምስ ዚረኽቡኻ እውን ኣይክትሓፍርን ኢኻ። (g02 22/3 ገጽ 12) ኣስፋሕቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ብምንጋሮም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ሓሳባት ዚህቡ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።

20 ደቒቕ:- “ፍቕሪ—ኣብ ኣገልግሎት ፍረ ንምርካብ እተኽእል ወሳኒት ባህርይ።” ካብቲ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23 ቍጽሪ 16-17 ዚርከብ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ