ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/07 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 17 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 24 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
  • 7 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 12/07 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

10 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 5 (46)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

20 ደቒቕ:- ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2008። በቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ዚቐርብ መደረ። ካብ ናይ ጥቅምቲ 2007 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ገለ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ነጥብታት ኣጕልሕ። ግደ እቲ ሓጋዚ መኻሪ ግለጽ። ኣብቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳባት ብምሃብን ካብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዚወሃብ ምኽርታት ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኵላቶም መዝነቶም ኣብ ምፍጻም ትጉሃት ኪዀኑ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- “ንስቡራት ልቢ ኣጸናንዕ።” ኣብቲ ኸባቢ እተረኽበ ሓደ ወይ ክልተ ተመክሮታት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣዘንቱ።

መዝሙር 9 (37)

17 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ኣብታ ኣብ 31 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት እንመያየጠሉ ኣርእስቲ ኺዳለዉ ኸለዉ: ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ነቲ ብስራት ንምክፋል እተወደቡ) ዘርእስታ ቪድዮ ርእዮምዋ ኺመጹ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- “ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ክንዕቅብ ኣሎና።” ንሓደ ኣብ ኣገልግሎት ብዘለዎ ቕንኣት ዚፍለጥ ኣስፋሒ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶ:- ቅንኣትካ ንምዕቃብ እንታይ ጻዕርታት ጌርካ፧ ቅንኣትካ ንኽትዕቅብ እንታይ ሓጊዙካ፧

20 ደቒቕ:- “ነተን ሓቂ ዚምስክራ መጽሔታት ኣበርክት።” ኣብ ናይ ሕዳር 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ተመርኲሶም ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ሰማዕቲ ናይ ሕዳር (ወይ ታሕሳስ) ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኼንብብወንን ኣብ እትቕጽል ሰሙን ተማሊኦመን ኪመጹን ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 18 (162)

24 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 26 (212)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዚዕደል ጽሑፋት ጥቐስ: ምስኡ ዚሰማማዕ መርኣያ ድማ ኣቕርብ።

15 ደቒቕ:- ነቲ እዋናዊ መጽሔታት ንምዕዳል ተዳሎ። ኣብ ናይ ሕዳር (ወይ ታሕሳስ) ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ሕጽር ዝበለ ሓፈሻዊ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብካ: ንሰማዕቲ ኣብቲ ኽሎም ሰሓቢት ዝዀነት ዓንቀጽ ኣየነይቲ ምዃናን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበሉን ሕተቶም። ሰማዕቲ ብዛዕባ እተን ኪጥቀሙለን መዲቦም ዘለዉ ዓንቀጻት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ዝርርብ ንምጅማር እንታይ ሕቶ ኽትሓትት ትኽእል፧ ድሕሪኡ ኻብተን ኣብታ ዓንቀጽ ዘለዋ ኣየነይቲ ጥቕሲ ኸተንብብ ትኽእል፧ እታ ጥቕሲ ምስታ ዓንቀጽ ብኸመይ ክትተሓሓዝ ትኽእል፧ ነቲ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ንመርኣያ ዚኸውን ኣቀራርባ ወይ ሓደ ኻብቲ ሰማዕቲ ዝሃቡዎ ኣቀራርባ ተጠቒምካ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብኸመይ ክትዕደል ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ሸቶ ግበር።” ንሓደ ወይ ክልተ ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጀመሩ ኣስፋሕቲ ኣዘራርብ። እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ ተጀሚሩ፧ እንታይ ዕቤት ይገብር ኣሎ፧

መዝሙር 4 (43)

31 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23 (200)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ታሕሳስ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም።

20 ደቒቕ:- መንፈሳዊ ነገራት ብምስዓብ ተጠቐም። ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 3-7 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ።

20 ደቒቕ:- “ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ወፈራ ስብከት።” ሰማዕቲ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ነቲ ብስራት ንምክፋል እተወደቡ) ዘርእስታ ቪድዮ ንኣዝማዶም: ንዚፈልጥዎም ሰባት: ተመላሊካ ምብጻሕ ንዚገብሩሎም: ከምኡውን ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑሎም ሰባት ኬርእይዎም ከለዉ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ዜተባብዕ ርእይቶታት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 1 (13)

7 ጥሪ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16 (143)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ: ወይ እታ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-30 እትርከብ “ንልቢ የሆዋ ዜሐጕስ ወፈያታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ።

25 ደቒቕ:- ልቢ ውሉድካ ብኻልኦት ክቕረጽ ኣይትሕደጎ! ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-27 እተመርኰሰ: ናይ ድግማ ሕቶታት ዘለዎ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።

መዝሙር 2 (15)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ